Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 23 guests and no members online

ብምትሕብባር ማልት፣ ቲንኪንግ ስኩልስ ኢትዮዽያ/ኢንተርናሽናልን ኢመንነስ ሶሻል ኢንተርፕርነርስን ካብ ኣፍሪካን ኢንሼቲቭ ብዝተረኸበ ሓገዝ 13 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ ውቕሮ ካብ ሽዱሽተ ወረዳታትን 19 ኣብያተ ትምህርትን ዝተወከሉ ሰልጠንቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ሜላ ኣመሃህራ ዘድሀበ ስልጠና ንክልተ መዓልታት ተዋሂቡ፡፡ ኣብቲ ስልጠና ካብ መንጎ ዝተረኸቡ ሰልጠንቲ ኣብ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት መምህር ስነ - ልቦናን ሓላፊ ርክባትን መምህር ሳሙኤል እምብዛ ሓደ እንትኾኑ፣ እዚ ስልጠና ተምሃሪ ማእኸል ዝገበረን ንምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ክልልና ሓጋዚ ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

እዚ ስልጠና ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ሕብረተሰብን ዓብይ ለውጢ ንምምፃእ ብምዕላም ይካየድ ከምዘሎ ዘብርሁ ሓላፊ ቲንኪንግ ስኩልስ ኢትዮዽያን ነቲ ስልጠና ዝሃቡን ሚ/ር ሮበርት ፕራይስ እንትኾኑ፣ ተምሃሮ ማእኸል ዝገበረ ሜላ ኣመሃህራ ኣብ ዕቤት ኣእምሮ ዕሸላት ልዑል ቦታ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡ ኣብያተ ትምህርቲ ማእኸላት ምርምርን ሓደሽቲ ሓሳባትን ክኾና ይግባእ ዝበሉ ሚ/ር ሮበርት፣ ተምሃሮ ግቡእ ክትትል እንዳገበርካን ክሓስቡ ዕድል እንዳሃብካን እንተተመሪሖም ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝድለ ለውጢ ብቐሊሉ ምምፃእ ከምዝከኣል ተዛሪቦም፡፡

“ስልጠና ግሮዊንግ ቲንኪግ ስኩልስ ፍሮም ኢንሳይድ ኣውት ቅድም ክብል ብብርኪ ክልል ተኻይዱ’ዩ፡፡ ሐዚ ድማ ኣብ ዝተሓረያ ኣብያተ ትምህርትን ብብርኪ ወረዳን ዞባን ተኻይዱ’ሎ፡፡ ቀፃሊ ምዕራፍ እዚ ፕሮጀክት ምድላው ኣሰልጠንትን መምሃሪ ማንዋልን ክኸውን’ዩ፡፡ ድሕሪ’ዚ ብብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰፊሑ ክወሃብን፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ትግራይ ስራሕቲ መፅናዕትን ክትትልን ዝገብራሉ ከይዲ ክህልው’ዩ” ዝበሉ ሚ/ር ሮበርት፣ ብትካሎም ይኹን ብቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ማሕበር ልምዓት ትግራይን ዕቱብ ክትትል ከምዝግበረሉ ሓቢሮም፡፡

 

ዕላማ እቲ ስልጠና፣ ሕብረተሰብ ዘሳተፈን ተምሃሮ ማእኸል ዝገበረን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክህሉ ንምሕጋዝን ፅሬት ትምህርቲ ክልልና ንምምሕያሽን’ዩ ዝበሉ ድማ ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት ግሮዊንግ ቲንኪንግ ስኩልስ ፍሮም ኢንሳይድ ኣውት ኢምፓወሪንግ ያንግ ገርልስን ላዕለዋይ ክኢላ ፕሮጀክት ቀረፃን ማልት ኣይተ ተስፋይ ናስር’ዮም፡፡ እዚ ፕሮጀክት 13 ካልኣይን 24 ቀዳማይን ብርኪ ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ተስፋይ፣ ካብ’ዚ ስልጠና ብምቕፃል ብብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝካየዱ ኣስተምህሮታትን ክትትላትን ከምዝህልው ኣብሪሆም፡፡

 

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms