Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 28 guests and no members online

10/08/2007ዓም፡ ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምጥያሽ ካብ 1994ዓም ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እንዳተገበረ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2007ዓም ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዝተውሃቦ ዝገለፁ ኣቦመንበር እቲ ማሕበር ኣይተ ኣለም ሓዱሽ እንትኾኑ፣ ምጥያሹ ዕላዊ ንምግባር 10 ሚያዝያ 2007ዓም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣብ ዝተረኸብሉ ክፍለጥ ንምግባርን መሰራቲ ጉባኤ ንምክያድን እዚ ዋዕላ ተፀዊዑ’ሎ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ብርሕቐትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ተራኺቦም ወሳኒ ግደ ክፃወቱ እንዳተገበኦም ከምዘይተሰርሓሉ ዝሓበሩ ኣይተ ኣለም፣ ካብ ሐዚ ንደሓር ግን ኩሉ ኣባል ብዝተደራጀወ መልክዑ ንቤት ትምህርቱ፣ ኣብ ምምሃር ንዝርከቡ ተምሃሮ ቓላሚኖን ማልትን ዝሕግዝሉ ኩነታት ክመቻቸው ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ እንትጣየሽ ብጣዕሚ ንፉዓት ዝኾኑ ተምሃሮ ካብ መላእ ከባቢታት ትግራይ ተቐቢሉ፣ ፀገም ግልጋሎት ምግብና፣ ክዳን፣ እታወታት ትምህርትን ፅሬቱ ዝሓለወ ትምህርትን ብምሃብ ኩርዓት ሃገር ዝኾነ ዜጋታት ንምፍጣር ብምዕላም’ዩ ዝበሉ ድማ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶ/ር ታደለ ሓጎስ እዮም፡፡ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ኣብ ዘስምዕዎ መኽፈቲ መደረ “ብብርኪ ማልት ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምምሕያሽን ንምስፋሕን ስትራተጂካዊ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ተዳልዩ ግብራዊ ስራሕ ምስራሕ ተጀሚሩ’ሎ፡፡ በቢዓመቱ ዓቕሚ ምቕባል እቲ ቤት ትምህርቲ እንዳዓበየ ከይዱ 250 ክበፅሕ፤ ኣብ ሕቑፊ ዝሕዞም በዝሒ ተምሃሮ ድማ ዓመታዊ 1000 ክኸውን ብሰፊሑ ይስርሓሉ’ሎ፡፡ ነዚ ክውን ንምግባር መስፋሕፍሒ ህንፀታት መደቀሲ ተምሃሮ፣ ምግብናን መምሃሪ ክፍልታትን ይካየድ ኣሎ፡፡ እዙይ ብፃዕሪ እቲ ቤት ትምህርትን ማልት እንዳተወገነ ዝርከብ ኮይኑ፣ ካብ ቀዳሞት ተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ትፅቢት ዝግበሩ ስራሕቲ ግን ይተርፉ’ዮም፡፡ ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ካሪኩለም፣ ምድላው ቱቶሪያላትን ሰሚናራትን ንፅሬት ትምህርቲ ኣዝዮም ኣገደስቲ ስለዝኾኑ፣ ቀዳሞት ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብስፍሓት ክሰርሑሎም ትፅቢት ይግበር፡፡ ነዚ ንምግባር ምጥያሽ ማሕበር ኣገዳሲ ብምዃኑ፣ እቲ ሎሚ ትገብርዎ ዘተን ዕላውነት ማሕበርኩምን ኣብቶም ቅድም ክብል ዝተገለፁ መደባት ብሰፊሑ ከምትነጥፉን እኣምን፡፡” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ሕገ ደምቢ ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ንምድላው ብዙሕ እዋን ከምዝወሰደ ዝሓበሩ ነቲ ሕገ ደምቢ ዘዳለውን ኣባል ኣመራርሓ እቲ ማሕበርን ኣይተ ፀጋዘኣብ ሰለሙን እንትኾኑ፣ ካብ ዝተፈላለያ ተመሳሰልቲ ማሕበራትን ካልኦትን ብዙሕ ተሞክሮ ከምዝተወሰደሉ ተዛሪቦም፡፡ ዝተዳለወ ሕገ ደምቢ ኣባላት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ርኢቶ ክህብሉ ከምዝተገበረ ዝገለፁ ኣይተ ፀጋዘኣብ፣ ድሕሪ ዝተገበሩ እርማታት ብቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ተቐባልነት ረኺቡ ዕላዊ ሕገ - ደምቢ እቲ ማሕበር ኮይኑ ከምዝፀደቐ ገሊፆም፡፡ ኣብ ዝቐረበ ሕገ - ደንቢ ብሰፊሑ ዝዘተዩ መስረቲ ኣባላት ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ፣ ሙሉእ ብሙሉእ ነቲ ሕገ - ደምቢ ተቀቢሎምዎን ክምርሕሉ ወሰኖምን’ዮም፡፡

 

ድሕሪ ዝተገበሩ መደረታትን ዘተታትን፣ ኣብቲ መስራቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ኣባላት ማሕበር ቀዳሞት ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትህርቲ ቓላሚኖ ኣመራርሓ ስራሕ ቦርድ ዝመረፁ እንትኾኑ፣ ዝተመረፁ ኣባላት ቀፃሊ ጠመተኦም ኣብ ምንታይ ክኸውን ከምዝተሓሰበ ብወካሊኦም ኣቢሎም ብዝርዝር ኣቕሪቦም፡፡ ቀፃሊ ጠመተ እቲ ማሕበር ብዝርዝር ዘቕረቡ ኣይተ ፀጋዘኣብ ሰለሙን እንትኾኑ፣ ብበዝሒ ኣበላትን እቶትን እቲ ማሕበር ምጥንኻር፤ ኣብ ዩንቨርስትታትን እቲ ቤት ትምህርትን ይመሃሩ ንዘለው ተምሃሮ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ምሕጋዝ፤ ንፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርትን ማልትን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ምሕጋዝ ዓብይ ጠመተ ዝወሃቦም ሰለስተ ዛዕባታት ምዃኖም ገሊፆም፡፡ ነዚ ንምግባር ግደ ኩሉ ኣባልን ደጋፍን እቲ ማሕበር ዓብይ ከምዝኾነ ዘብርሁ ኣይተ ፀጋዘኣብ፣ ሓገዝ ኩሎም ይግበኣና በሃልቲ ከይፍለዮም ተላቢዎም፡፡

 

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms