Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 120 guests and no members online

ፕሮጀክት “ቲንኪንግ ስኩልስ ግሮዊንግ ፍሮም ኢንሳይድ ኣውት ኢምፓወሪንግ ያንግ ገርልስ” ብማልት ካብ ዝተጀመሩ ሐደሽቲ ፕሮጀክታት ሓደ እንትኸውን፣ ኣብ 12 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 24 ቀዳማይን 13 ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝውገን’ዩ፡፡ እዚ ፕሮጀክት ብቀንዱ ኣብ ሜላ ኣመሃህራ ዘድህብ ኮይኑ፣ ተምሃሮ ናይ ምሕሳብን ምሓዝን ክእለቶም ንምዕባይ ዝሕግዝ’ዩ፡፡ ብመሰረት’ዚ ነዚ ፕሮጀክት ሞዴል ኮይነን ዝተመረፃ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ሰለስተ ብምኽፋል ስልጠና ንምሃብ መደብ ተታሒዙን ግብራዊ ስራሕ እንዳተሰርሐን ይርከብ፡፡

6 – 7 ሚያዝያ 2007ዓም ካብ ወረዳታት ወልቃይት፣ ታሕታይ ቆራሮ፣ ኣስገደ ፅምብላን ታሕታይ ማይጨውን ካብ ዝተመረፃ 12 ኣብያተ ትምህርቲ ንዝመፁ 72 መምህራን፣ 16 ሓለፍቲ ክፍሊ ትምህርቲ ወረዳን ዞባን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ስልጠና ተዋሂቡ’ዩ፡፡ ነቲ ስልጠና ዝሃቡ ሓላፊ ቲንኪንግ ስኩልስ ኢትዮዽያን ኣባል ቲንኪንግ ስኩልስ ኢንተርናሽናልን ሚስተር ሮበርት ፕራይስ፣ ምስ ክኢላታት ኢሚነንስ ሶሻል ኢንተርፕረነርስ ኣይተ ዳግም መለስን ወ/ሮ ኣፀደ ፀሃየን ብምዃን’ዮም፡፡

እቲ ስልጠና ቪዝዋል ማፕስ ዝተብሃለ ሜላ ኣመሃህራ ማእኸል ገይሩ ዝተውሃበ እንትኸውን፣ ተሳተፍትን ኣሰልጠንትን ብማዕረ ዘሳተፈን ሕድሕዶም ዘለዎም ፍልጠት ክለዋወጡ ዝገበረን እዩ ነይሩ፡፡ “ሓንጎል ወዲ ሰብ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ዝረኣዮ ነገር ናይ ምሓዝ ተኽእሎ ኣለዎ” ዝበሉ ሚስተር ሮበርት፣ “ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ተመራመርቲ ዓለምና ቪዝዋል ማፕስ ዝተብሃለ ሜላ ኣመሃህራ ፈጢሮም ኣለው” ኢሎም፡፡ እዚ ሜላ ኣመሃህራ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተፈቲኑ ዕውትነቱ ተረጋጊፁ’ሎ ዝበሉ ሚስተር ሮበርት፣ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ’ውን ነዚ ብዝድለ መልክዑ እንተተግቢረንኦ ፅሬቱ ዝሓለወ ትምህርቲ ንምሃብ ከምዘኽእለን ሓቢሮም፡፡ ስልጠና ቲንኪንግ ስኩልስ፣ ብብርኪ ዞባ ድሕሪ ምክያዱ፣ ሐዚ ብብርኪ ዞባን ወረዳን ምሃብ ተጀሚሩ’ሎ ዝበሉ ሚስተር ሮበርት፣ ኣብ ወርሒ መስከረም 2008ዓም ብብርኪ ቤት ትምህርቲ ከምዝወሃብ ሓቢሮም፡፡ ድሕሪ ብብርኪ ቤት ትምህርቲ ስልጠና ምሃብ፣ ኣብያተ ትምህርቲ ነዚ ሜላ ቀልጢፈን ዘተኣታትዋሉ መስርሕ ብምድላው፣ ዕቱብ ክትትልን ገምጋምን ከምዝካየድ ዝሓበሩ ሚስተር ሮበርት፣ ኣብያተ ትምህርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ነዚ ሜላ ድሕሪ ምትግባረን ኣብ ክልልና ብዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣፍልጦ መሪሕነት ከምዝወሃበን ገሊፆም፡፡

ስልጠና ቲንኪንግ ስኩልስ ኣዝዩ ጠቓምን ንምትግባሩ ምችውን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣብቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ኣይተ ዝናቡ ደስታ፣ ካብ ወረደኦም ተመሪፀን ዘለዋ ክልተ ቀዳማይን ሓንቲ ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ መሪሕ ኮይነን ዝወፃሉ ኩነታት ንምምችቻው ቤት ፅሕፈቶም ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም፡፡ ዝመሓላለፍ ትምህርቲ ብስእላዊ መግለፂ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ተምሃሮ ቀልጢፎም ናይ ምሓዝ ዝንባለ ኣለዎም ዝበሉ ኣይተ ዝናቡ፣ ማልት ነዚ ዝሕግዝ ሜላ ሒዛ ምምፀኣ ኣዝየ ከመስግን ይፎቱ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

 

ፕሮጀክት ቲንኪንግ ስኩልስ ብፋይናንሳዊ ሓገዝ ኢንሼቲቭ ኣፍሪካ፣ ብኣተሓባባርነት ማልትን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይን፣ ብመሰልጠናይነት ቲንኪንግ ስኩልስ ኢትዮዽያን ኢሚነንሰ ሶሻል ኢንተርፕረነርስን ዝሳለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ክልልና ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ዝሳተፋሉ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡

 

Click here to see more...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms