Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 106 guests and no members online

ማልት ኣብ ወረዳታት ኣፅቢ ወምበርታን ሕንጣሎ ወጀራትን ዝነጥፍ ፕሮጀክት ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ንምጅማር ዘኽእላ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዋዕላ ዘካየደት 08/ መጋቢት 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ መአከቢ ኣዳራሽ ኣክሱም ሆቴል ‘ዩ።

ካብ ክልቲኤን ወረዳታት ዝተወከላ ልዕሊ 30 ተሳተፍቲ ዝተረኸባሉ ዋዕላ ዝኸፈቱ ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማልት ኣይተ ንጉስ ከበዶም፣ ኣብ ምንካይ ስደትን ጥቅዓትን ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ብምንጣፍ፣ ፅርየቱ ዝሓለወ ትምህርቲ ክረኽባ ምግባር ዕላማ’ቲ ፕሮጀክት ምዃኑ ብምግላፅ፣ ሎም ዘበን በዝሒ ስደት ኣብ ዝረኣየለን ክልቲኤን ወረዳታት ከም መፈተኒ ብምጅማር እናስፋሕናዮ ክንከይድ ኢና ኢሎም።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ለውጢ ኣተሓሳስባ ብዝፈጠርና ቑፅሪ፣ ስደትን ጥቅዓትን ደቂ ኣንስትዮ ብምንካይ፣ ኣብ ትምህርተን ‘ውን ክነፍዓ የኽእለን ’ዩ ዝበሉ ኣይተ ንጉስ፣ ሎም ዘበን ኣብ ሓሙሽተ ሚእቲ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ፣ ሓሙሽተ ሚእቲ ስድራ እተን ተምሃሮን ሓምሳ ብሉፃት ደ/ኣንስትዮ ተምሃሮን ዝተወሰነ ሓገዝ ገንዘብ ብምሃብ እቶተን ንምድንፋዕ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

ጠማቲት ፕሮጀክት ሓገዝ ሲቪል ማሕበራት ወ/ሮ ንግስቲ ፀጋይን ሓላፊ ኬዝቲም ትግበራ ልምዓታዊ ፕሮግራም ማልት ኣይተ ተወልደ ገ/መድህንን፣ ኣብ ኣጠቓላሊ ንጥፈታት እቲ ፕሮጀክት መብርሂ ዝሃቡ እንትኾን፣ ተሳተፍቲ ብጉጅለ ድሕሪ ምዝታይ ዕላማ’ዚ ፕሮጀክት ንምዕዋት ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።

 

ፕሮግራም ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት (CSSP) ብተወሳኺ ንጉዱኣት ኣካል፣ ምስማዕን ምርኣይን ንዝተስኣኖም ወገናት፣ ፀገም (ዝግመት) ኣእምሮ ንዘለዎምን ንዝኣመሰሉን ጠሚቱ፣ ገንዘባዊ ሓገዝን ሙያ ስልጠናን ዝህብ ፕሮጀክት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምዃኑ ዝዝከር ‘ዩ።

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms