Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 19 guests and no members online

እቲ ዕለት 07 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ንተወከልቲ ኮረም፣ ሽረን ጌታቸው ኣዘናውን መሰናድኦ ኣብያተ ትምህርትን፣ ንካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ሃገረ ሰላም፣ ዛላምበሳ፣ ወልዱ ንጉሰን ንግስተ ሳባን ዝተውሃበ ሓገዝ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጌልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስት ካብ ዝበሃል ገባሪ ሰናይ ትካል ዝረኸበቶ እዩ።

ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ኣብ ዝተገበረ ርኽክብ ሓገዝ ተረኺቦም ንሕድ ሕድ ኣብያተ ትምህርቲ ዐዕስራን ሸሞንተን ዘበነዎት ኮምፒተር ምስ ሙሉእ ኣክሰሰሪአን፣ ኣረርባዕተ ዓበይቲ ጠረጴዛ፣ ዐዕስራን ሸሞንተን መቐመጢ ኮምፒተርን መናብርን፣ ሓደ ሓደ ጠረጴዛን መናብርን መምህራንን ፃዕዳ ሰሌዳን ዝሃቡ፣ ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ እዮም።

ዶክተር ታደለ ሽዑ ኣብዘስምዑዎ መደረ፦ “እዚ ቨርቹዋል ኮምፒተር ማእኸል ንምጥያሽ ዘኽእል ሓገዝ ዝረኸብናዮ፣ ኣብ ዓለም ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክስፋሕፋሕ ካብ ዝፅዕሩ ወናኒ ጌልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስት ካብ ዝኾኑ ሚስተር ማርክ እዩ፤ ዕላምኡ ድማ ቴክኖሎጂ ዝመለኸ ዜጋን ተምሃራይ ካልኣይ ብርክን ብምፍራይ፣ ነቲ ናብ ኢንዳስትራላይዘሽን ንገብሮ ስግግር ብግቡእ ዝዋፃእ መንእሰይ ትውልዲ ንምህናፅ ‘ዩ” ኢሎም።

ሕድ ሕድ ተምሃራይ ዝሕዘን ኮምፒተር ብቫይረስ ዘይጥቅዓ፣ ዋዒ ዘይፈጥራን ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተላበሳን ምዃነን ዝጠቐሱ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ፣ ሎምዘበን ብደረጃ ሃገር ኣብ ሸውዓተ፣ ብደረጃ ትግራይ ድማ ኣብ ሸሞንተ ኣብያተ ትምህርቲ ተኣታትዩ ዘሎ ምጥያሽ ቨርቹዋል ኮምፒዩተር ማእኸል፣ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብ ትግራይ ኣብ ዕስራ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ መላእ ሃገር ድማ ኣብ ሰማንያ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝጣየሽን፣ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኩለን ካልኣይ ብርክን መሰናድኦን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ወነንቲ ቨርቹዋል ኮምፒተር ማእከል ንምግባር ትልሚ ተታሒዙ ከምዘሎ ብምሕባር፣ እቶም ገባሪ ሰናይ ካብዚ ብዝዘለለ መሰናድኦ ኣብያተ ትምህርቲ ውቕሮ፣ ማይቅነጣልን እንዳባጉናን ሃኒፆም ብምርካቦም ብስም ተጠቀምቲ የመስግን” ክብሉ ገሊፆም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ተወከልቲ ሽረ መሰናድኦን ዓድዋ ካልኣይ ብርክን ወ/ሮ ሚልዮን ገ/ማርያምን መምህር ኣስመላሽ ኣስጉን ብወገኖም፣ “ኣደ ውፁዓት ዝኾነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ፀገምና ተገንዚባ ተምሃሮና ዘበናዊ ክእለት፣ ኣረኣእያን ፍልጠትን ሰኒቖም ምስ ዓለም ከወዳድሮም ዘኽእል ሓገዝ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምግባራ ኣዚና ተሓቢንና ኢና ክብሉ ሓቢሮም”።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2007 ዓ.ም ኣብ ሙዚየም ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ቨርቹዋል ኮምፒተር ማእከል ምጥያሻ ዝዝከር እዩ።

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms