Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 169

Who's Online

We have 100 guests and no members online

29/07/2007ዓም፡ ነቲ መድረኽ ዝኸፈቱ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ማሞ ገ/እግዚኣብሄር እንትኾኑ፣ ንተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ እንኳዕ ድሓን መፃእኹም ኢሎም፡፡ ማልት ኣብ ዞባ ምብራቕ ዝሰርሓቶም ስራሕቲ ኣዝዮም ብዙሓትን መንግስቲ ይገብሮ ኣብ ዘሎ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ ኣዝዮም ሓገዝትን ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ኣይተ ማሞ፣ ስራሕቲ ማልት ዕውታት ኮይኖም ክቕፅሉ ግደ ተሳተፍቲ እዚ ዘተ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ጊሊፆም፡፡ ማልት ሓጋዚት ልምዓትና’ያ ዝበሉ ኣይተ ማሞ፣ ሕብረተሰብ ኣብ ጎና ክስለፍ ሐዚ’ውን ከምቀደምና ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ፀዊዖም፡፡

ማልት ኣብ መዳይ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ምንካይ ስእነት ስራሕ፣ ምዕባይ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ፣ መጓዓዝያ፣ ምዕባይ ባህልን ቋንቋን ካልኦትን ዓበይቲ ፍፃመታት ምውጋና ብዝርዝር ዘብርሁ ድማ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶ/ር ታደለ ሓጎስ’ዮም፡፡ ማልት ብፍላይ ንምግፋሕን ምርግጋፅን ፅሬት ትምህርቲ ብዝሃበቶ ጠመተ ኣብ ትግራይ ከባቢ 600 ቀዳማይን 30 ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፃን ውሽጣዊ ናውተን ኣማሊኣን’ያ ዝበሉ ዶ/ር ታደለ፣ ሐዚ’ውን ቀፃሊ ጠመተኣ ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ብምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምትሰርሕ ሓቢሮም፡፡ ማልት ኩሉ ግዘ እምነታ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከብ ሃፍትን እቶትን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዶ/ር ታደለ፣ “ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ!!” ዝብል ኣምር ንምዕዋት ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ሕቕፊ ማልት ክዓስልንን እጃሙ ከወፍን ፀዊዖም፡፡ ብፍላይ በዝሒ ትካላዊ ኣባላት ትሑት ከምዘሎ ዝሓበሩ ዶ/ር ታደለ፣ ኩሉ ባዓል ሃፍቲ ብብርኪ ትካሉ ኣባል ማልት ብምዃን ስራሕቲ ማልት ክሕግዝ ተላቢዎም፡፡

ማልት ኣብ መደብ ካብ ዳስ ናብ ክላስ ይኹን ሰብ ሃፍቲ ብምዕዳም ኣብ ወረዳና ልዕሊ 140 ቀዳማይን ካልኣይን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ምህናፃ ዝሓበሩ ኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ኣቦመንበር ቦርድ ማልትን ዞባ ምብራቕኣይተ ደሳለኝ ተፈራ እንትኾኑ፣ ኣብ ወረዳታት ብዝተረፈ 70 ሚኢታዊ ድማ ልዕሊ 2 ሚልዮን ብር ዝወደአ ናውቲ ንሸውዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ክማለአለን ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡ ማልት ኣብ ክልልና ይኹን ዞባና ንትሰርሖም ስራሕቲ ኩሉ ነባሪ ከተማን ገጠርን፣ ተምሃሮን መንግስቲ ሰራሕተኛን ኣባላት ማልት ክኹኑ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ደሳለኝ፣ ብፍላይ ነጋዳይ ማሕበረሰብ ይኹን ካልኦት ትካላት ብብርኪ ትካሎም ኣባል ክኾኑ ፀዊዖም፡፡ ነዚ ስራሕ ንምውጋን ኣብ’ዚ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣካላት ልዑል ጠመተ ክህብሉ ዝሓበሩ ኣይተ ደሳለኝ፣ ክሳበ 30 ሚያዝያ 2007ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኩሎም ስራሕቲ ክውገኑ ተላቢዎም፡፡

 

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣመራርሓ ኣካላት መንግስትን ማሕበረሰብ ንግድን ዞባ ምብራቕ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ፣ ኣወዳድባ፣ ፋይናንሳዊ ምንቅስቓስ፣ ፍሰት ሓበሬታ ማልትን ካልኦትን ብዙሓት ሕቶታትን ርኢቶታትን ዝሃቡ እንትኾኑ፣ ብፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ዝርዝር መብርሂ ተዋሂቡ፡፡ ድሕሪ ዝተውሃበ መብርህን ገለፃን ኩሎም ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ኣካላት ንዕውትነት መደባት ማልት ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም፡፡

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms