Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 53 guests and no members online

እዚ ዝተሓበረ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዩ ኤስ ኤይድ ኢትዮዽያ፣ ካብ 28-30 መጋቢት 2007 ዓ.ም ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ትግራይ ከይዲ “ፕሮጀክት ምምሕያሽ ክእለት ንባብ ብቑልዕነት” ተዘዋዊሮም ምስ ተዓዘቡ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ እዩ።

ኣብ ወረዳታት ሓውዜን፣ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ፣ ዕዳጋ ሓሙስ ማይጨውን ኣላማጣን ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ዑደት ስራሕ ካብ መንጎ ዘካየዱ ዑደኛታት ኣብ ዩ ኤስ ኤይድ ኢትዮዽያ ሓላፊት ክፍሊ ትምህርቲ ሚስ ሚሽን ቼንን፣ ፕሮጀክት ማነጅመንት ስፔሳሊስት ኣይተ በፈቃዱ ገብረፃድን ይርከቡዎም።

ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቡዙሓት ዘተባብዑ ስራሕቲ ሰሪሕና ኢና ዝበሉ ኣይተ በፈቃዱ ገ/ፃድቅ፣ ፕሮጀክት ምምሕያሽ ክእለት ንባብ ብቑልዕነት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጀመረ’ኳ እንተኾነ ዛጊድ ዘዕግብ ስራሕቲ ምስርሑ ክንዕዘብ ክኢልና ኢና ኢሎም።

ዑደት ኣብዘካየድናለን ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ መምህራን ስልጠና ወሲዶም ንንባብ ዝሕግዙ መፃሕፍቲን ማንዋላትን ተሓቲሞም ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍ ተምሃሮን መምህራንን ተዘርጊሖም ተግባራዊ ስራሕ ይሰርሐሎም ከምዘሎ ኣብ ባይታ ወሪድና ምርኣይና ዘተባብዕን ዘዕግብን ውፅኢት ይምዝገብ ምህላዉ ዘመላኽት ቁምነገር ክንሰንቕ ኣኽኢሉና እዩ ዝበሉ ኣይተ በፈቃዱ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ፣ ኣብያተ ፅሕፈት ዞባታትን ወረዳታትን ተዋዲዳ ትሰርሖም ስራሕቲ ንኻልኦት ክልላት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ ዩ ኤስ ኤይድ ኢትዮዽያ ሓላፊት ክፍሊ ትምህርቲ ዝኾና ሚስ ሚሸል ቼን ብወገነን ኣብ ዘሃብኦ ርኢቶ፦ “ኣብ ዑደትና ምስ ኣመራርሓ ኣብያተ ትምህርቲ ብምዝታይ ኣብ ክፍሊ እናኣተና ንጥፈት ተምሃሮን መምህራንን ተዓዚብና ኢና፣ ብሓፈሻ ካብ ኩሎም ፅቡቕ ተሞክሮ ዝረኸብናሉ ፅቡቕን ዘዕግብን ዑደት ስራሕ ኢና ኣካይድና” ድሕሪ ምባል፦ ተምሃሮን መምህራንን ክእለት ምንባብ ንምምሕያሽ ኣብ ዘኽእል ጎደና ይጓዓዙ ምህላዎም ርኢና ኢና፤ ንቕድሚት ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ፣ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይን ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ ፅርየት ትምህርቲ ክረጋገፅን ባህሊ ምንባብ ንክዓብን ዘኽእሉ ስራሕቲ ንምስራሕ ግቡእ ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ኢና ክብላ ቃል ኣትየን።

ንጉጅለ ዑደተኛታት ዩ ኤስ ኤይድ ኣብ ዝተሰናድአ እንግዶት ድራርን ሽልማትን ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይረክተር ማልት ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፦ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ መንግስቲ፣ ሕብረተሰብን ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን ተዋዲዳ ትሰርሖም ስራሕቲ ንምዕዛብ ብምምፃእኹም ሕጉሳት ኢና ብምባል፣ ዛጊድ ብዩ ኤስ ኤይድ ንዝተገበረ ሓገዝ ብስም ተጠቀምቲ እናመስገንኩ፣ ምስ ገባሪ ሰናይ ዩኤስኤይድ ተሓባቢርና ኣብ ክልልና፣ ሃገርና ኢትዮዽያን ኣህጉርና ኣፍሪካን ፅርየት ትምህርቲ ክረጋገፅ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።”

ርእሰ መምህራን፣ ሱፐርቫይዘራት፣ መምህራንን ተምሃሮን እተን ኣብያተ ትምህርቲ ብወገኖም፣ ብምትሕብባር ዩኤስኤይድን ማልትን ዝትግበር ዘሎ ፕሮጀክት ምምሕያሽ ክእለት ምንባብ ብቑልዕነት ፅቡቕ ዓቕሚ ከምዝፈጠረሎም ብምግላፅ ተጠናኺሩ ክቕፅል ተላብዮም።

ዑደት ስራሕ ዝተኻየደለን ኣብያተ ትምህርቲ ንመተባብዒ ውሱን ሓገዝ ኩዕሶ፣ ቦርሳን፣ ፅላልን ብዩኤስኤይድ ኢትዮዽያ ተበርኪቱለን ’ዩ።

 

“ፕሮጀክት ምምሕያሽ ክእለት ምንባብ ብቑልዕነት” ኣብ ዕስራ ወረዳታት ትግራይ ኣብ ዝርከባ 337 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝነጥፍ ፕሮጀክት ማ.ል.ት እዩ።

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms