Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 100 guests and no members online

29/07/2007ዓም፡  ማእኸል ሰሪሕኻ መርኣይ ቓላሚኖ ካብ መፋርቕ 2006ዓም ጀሚሩ ብመንጠብጠብታ ሜላ ኣቢሉ ምህርቲ ንምዕፃፍ ዘኽእል ሕርሻዊ ስራሕቲ እንዳተሰርሐሉ መፂኡ’ዩ፡፡ እዚ ሜላ ጉልበት፣ ማይን ካልኦት እታወታት ሕርሻን ካብ ብኽነት ዘድሕን እንትኸውን፣ ኣፍራያይነት ሓረስቶት ብዝተዓፃፀፈ ንምውሳኽ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ነቲ ስልጠና ዝሃቡ ሚ/ር ቲሞር ሪቮልት ይገልፁ፡፡ “ቅድሚ ሓምሳ ዓመታት ሃገረይ እስራኤል ሐዚ ሓረስቶት ኢትዮዽያ ዝጥቀምሉ ዘለው ሜላ ኣተሓራርሳን ምክንኻን ዘራእትን ትኽተል ነይራ፡፡ ሐዚ ግን ብዚ ሓዱሽ ሜላ እዙይ ኣቢላ ኣብ በረኻታትን ዝተደረቑ ከባቢታትን ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ ስራሕቲ እንዳወገነት ትርከብ፡፡ ስለዝኾነ’ውን ሓረስቶት ትግራይ ነዚ ሜላ ብደምቢ እንተጨቢጠምዎን እንተተግቢሮምዎን፣ ካብቲ ሐዚ ካብ ሓደ ሄክታር ዝረኽብዎ ዘለው እቶት ብዓሰርተታት ዕፅፊ ንምርካብ ከምዘኽእሎም ይኣኣምን፡፡”  ክብሉ ነቲ ስልጠና ንዝተኸታተሉ ሓረስቶትን ክኢላታት መስኖን ገሊፆም፡፡

ቓላሚኖ ክልተ ዕላማታት ሒዙ ምጥያሹ ዝገለፁ ድማ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶ/ር ታደለ ሓጎስ’ዮም፡፡ እቲ ቐዳማይ ዕላማ ቓላሚኖ፣ ካብ መላእ ትግራይ ንዝመፁ ብሉፃት ተምሃሮ ኩለመዳያዊ ድጋፍን ግልጋሎትን ብምሃብ ኩለመዳያዊ ብቕዓት ተላቢሶም ክወፁ ምግባር’ዩ ዝበሉ ዶ/ር ታደለ፣ እቲ ካልኣይ ዕላማ ምጥያሽ ቓላሚኖ ድማ ምሩፃት ቴክኖሎጂታት ሕርሻ ብምትእትታው ሓረስቶት ክልልና ስራሕቲ ሕርሽኦም ብዘበናዊ ኣገባብ ክውግኑ ምሕጋዝ’ዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ሎመዓንቲ ንሪኦ  ሓረስቶት ሃገረ እስራኤል እቶቶም ንምድንፋዕ ዝጥቀሙሉ ሜላ ሕርሻ’ዩ ዝበሉ ዶ/ር ታደለ፣ እዚ ሜላ ሓረስቶት ክልልና ይኹኑ ሃገርና እንተተጠቒመምሉ፣  መንግስቲ ዝሓንፀፆ ፖሊሲ ምድንፋዕ እቶት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክብፃሕ ከምዝኽእል ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ድሕሪ ኣብ ክፍሊ ዝተውሃቡ መብርህታትን መግለፅታትን፣ ሓረስቶትን ክኢላታት መስኖን ብክኢላታት’ቲ ማእኸል እንዳተመርሑ፣ ዝተሰርሑ ስራሕቲ መንጠብጠብታ መስኖ ተዓዚቦም፡፡ ኣብቲ ዑደት ዝርዝር መብርሂ ካብ እስራኤል ብዝመፁ ክኢላታት’ቲ ቴክኖሎጂ መብርሂ ዝተውሃበ እንትኸውን፣ ሓረስቶትን ክኢላታት መስኖን ክልልና ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ኣቕሪቦም፡፡

ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ሓረስቶትን ክኢላታትን ኣብ መጠቓለሊ’ቲ ስነ - ስርዓት ከምዝበልዎ፣ ማልት ካብ ህንፀትን ምምላእ ናውትን ኣብያተ ትምህርቲ ኢሉ’ውን ጥዕና ሓሊፋ፣ ንዘፈር ሕርሻ’ውን ምጥማታ ዓብይ ስዳሮ’ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ምህርቲ ንምስሳን ከምዚ ዝበሉ መድረኻት ምምችቻው ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ ዝበሉ እቶም ሓረስቶት፣ ቀፃልነት ክህልዎ ድማ ፀዊዖም፡፡

 

ማእኸል ሰሪሕኻ መርኣይ ሕርሻ ቓላሚኖ፣ ብምትሕብባር ማልትን ዶብ ኣልቦ መሃንዲሳት - እስራኤልን ዝሳለጥ ኮይኑ፣ ገልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስት ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካልፋይናንሳዊ ድጋፍ ዝገብረሉ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

 

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms