Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 169

Who's Online

We have 106 guests and no members online

ነጋዶ ከተማ ሑመራ ነዚ ዝሓበሩ፣ ዕለት 19 መጋቢት 2007 ዓ.ም ካብ ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ዳይረክቶሬታት ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ዝወፈሩ ላዕለዎት ክኢላታት፣ ኣብ ኣጠቓላሊ ምንቅስቓስን ረብሓ ትካላዊ ኣባልነትን ማልት ኣመልኪቶም መብርሂ ኣብዝሃቡሉ እዋን ‘ዩ።

ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ከተማ ሰቲት ተረኺቦም ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ንዝኾኑ ነጋዶ፣ ኣብ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ማሕበር ልምዓት ትግራይን፣ ረብሓ ትካላዊ ኣባልነትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ መግለፂ ዝሃቡ ኣይተ ታደሰ ነጋሽን ኣይተ ኣበበ ተሾመን ‘ዮም።

እቶም ላዕለዎት ክኢላታት፣ ማልት ድሕሪ ምስረታኣ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ መላእ ትግራይ ብዝተመጣጠነ መልክዕ ዝዓመመቶም ስራሕቲ ልምዓትን፣ ብውልቀን ብትካልን ቀዋሚ ኣባል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምዃን ዝህልዎ ረብሓን ኣመልኪቶም መብርሂ ድሕሪ ምሃቦም፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ህዝቢ ዘተኣኻኸበቶ ሃፍቲ ምስ ካብ ገበርቲ ሰናይ እትረኽቦ ሓገዝ ወሲኻ መሊሳ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ከምተውዕሎ ገሊፆም።

ኣብታ ዕለት ካብ መንጎ ዝተረኸቡ ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎም ክልተ ሚእቲ ነጋዶ እቶም ሓደ ሚእትን ዕስራን ኣርባዕተን ነጋዶ ሕድ ሕዶም ካብ ሰለስተ ሚእቲ ክሳብ ክልተ ሽሕ ብር በቢዓመቱ ብምውፃእ ቀወምቲ ትካላዊ ኣባላት ማልት ንምዃን ቃል ብምእታው ልዕሊ ቴስዓን ሰለስተን ሽሕ ብር ንምትእኽኻብ ወሲኖም።

 

ኣብቲ መድረኽ ነጋዶ ዝተረኸቡ ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ኣይተ ሃፍቱ ወልደንስአን ከንቲባ ከተማ ሑመራ ኣይተ ኣለሙ ኣየነውን ’ድማ “ፍረ ቓልስናን ውዳበ ልምዓት ህዝብናን ዝኾነት ማሕበርና ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዛጊድ ኣብ ዞባናን ከተማናን ቡዙሓት ስራሕቲ ልምዓት ስለዝሰርሐትልና ኣዚና ኢና ነመስግን” ድሕሪ ምባል፣ “ዝያዳ ንክተልምዕ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ጎና ተሰሊፉ በቢዝኸኣሎ ክሕግዛ ይግባእ” ክብሉ ፀዊዖም።

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms