Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 79 guests and no members online

16/07/2007ዓም፡ ማልት ምስ ኢንሼቲቭ ኣፍሪካ፣ ቲንኪንግ ስኩልስ ኢንተርናሽናል፣ ኢመነንስ ሶሻል ኢንተርፕረነርን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይን ዝውገን፣ ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ዘድህብ ፕሮጀክት ኣብ ከተማ መቐለ፣ ኣክሱም ሆቴል ዕላዊ ገይራ፡፡ ኣብቲ ስነ - ስርዓት ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ኣብ ዘስምዕዎ መኽፈቲ መደረ “ማልት ፅሬት ትምህርቲ ክልልና ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ትገብር ኣላ፡፡ ኣካል’ዚ ምንቅስቓስ ዝኾነ ፕሮጀክት ቲንኪንግ ስኩልስ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ንምውጋን ሰፋሕቲ ስራሕቲ እንዳተሰርሑ መፂኦም’ዮም፡፡ እነሆ ሳላ ቅኑዕ ኣተሓሳስባን ተገዳስነትን እዞም ወገናት ዕላዊ ኣብ እንገብረሉ እዋን በፂሕና ኣለና፡፡ ስለዝኾነ’ውን ንኹሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሽመይን ብሽም ማልትን የመስግን” ኢሎም፡፡ ፕሮጀክት ቲንኪንግ ስኩልስ ኢንሼቲብ ኣፍሪካ ብዝህቦ ፋይናንሳዊ ሓገዝን ቲንኪንግ ስኩልስ ኢንተርናሽናል ምስ ኢመነንስ ሶሻል ኢንተርፐረነርስ ብምዃን ብዝህብዎ ተግባራዊ ስልጠናን ዝውገን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዶ/ር ታደለ፣ ብቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ምስ ኣብ ወረዳታት ዝርከቡ መሓውሩ ናብ ተግባር ዝሽረፍን ብላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክልልና ብቕዓት ሕድሕድ ቤት ትምህርቲ እንዳተፈተሸ መረጋገፂ መርኣያ መሪሕነት ፅሬት ትምህርቲ ዝወሃበሉ ከምዝኾን ብዝርዝር ኣብሪሆም፡፡

ፕሮጀክት ቲንኪንግ ስኩልስ ኣብ 12 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 13 ካልኣይን 24 ቀዳማይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝትግበር ከምዝኾነ ዘብርሁ ድማ ዳይሬክተር ትልሚ፣ ፕሮግራማትን ምትእኽኻብ እቶትን ማልት ኣይተ ንጉስ ከበዶም’ዮም፡፡ ፕሮጀክት ቲንኪንግ ስኩልስ ኣብ ምርምርን ሜላ ኣመሃህራን ዘድሀበ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ንጉስ፣ እዘን ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ’ዚ ፕሮጀክት ዝተሓቖፋ ኣብያተ ትምህርቲ መሪሕ መርኣያ ፅሬት ትምህርቲ ኮይነን ከምዝወፃ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡ ፕሮጀክት ቲንኪንግ ስኩልስ ዕውት ኮይኑ ክዛዘም ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብሩ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ንጉስ፣ ብፍላይ ነዚ ፕሮጀክት ኣብ መሬት ዘውርዱ ኣመራርሓን መምህራንን ብዑቱብ ክሰርሑ ተላቢዎም፡፡

ኢምነንስ ሶሻል ኢንተርፕረነርስ ብምውካል ሓፈሻዊ ኣካይዳን መርሆን ዘብርሁ ድማ ወ/ሮ ኣፀደ ፀሃየን ኣይተ ዳግማዊ መለስን’ዮም፡፡ ፕሮጀክት ቲንኪንግ ስኩልስ  ኣብ 12 ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባን ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልል ተግባራዊ እንዳተገበረ ከምዝመፀ ዘብርሁ እዞም ክኢላታት፣ ሐዚ ድማ ብዝሕ ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ብምሓዝን ብዝለዓለ ቅላጣፈን ኣብ ትግራይ ንምጅማር ብማልት ንዝተገበረ ሰፊሕ ፃዕሪ ንኢዶም፡፡ እንታይነት፣ ዝሓቶ ፃዕሪ፣ ክግበር ዝግባእ ክትትልን ካልኦትን ብሰፊሑ ዘብርሁ እዞም ክኢላታት፣ እዚ ፕሮጀክት ብዕውት ኣገባብ ኣብ ትግራይ ከምዝውገንን ትግራይ መርኣያ ፅሬት ትምህርቲ ሃገርና ከምዝገብራን ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ኣብ’ቲ ዋዕላ ካብ ማልት፣ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፣ ኩለን ዞባታትን ወረዳታትን ትግራይ፣ ዩንቨርስትታትን ኮሌጃትን ክልልና  ዝመፁ ክኢላታት ዝተሳተፉ እንትኾኑ፣ ኣብ ሹዱሽተ ጉጅለታት ተመቒሎም ካብ’ቲ ፕሮጀክት ትፅቢት ዝግበር ውፅኢት፣ ግደ ሕድሕድ መዳርግቲ ኣካል፣ በቲ ፕሮጀክት ክሕቆፋ ኣብ ዝግበአን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ብሉፃት ተሞክሮታት ክጋፍሑሎም  ዝግብኡ ሜላታትን ካልኦትን ኣድሂቦም ዘትዮም፡፡

 

ኣብ’ቲ ዋዕላ መዕፀዊ መደረ ዘስምዑ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ወናኒ ከይዲ ስራሕ ስርዓተ ትምህርቲ ኣይተ ባህታ ወ/ሚካኤል ብወገኖም፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ክልልና ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ንኢዶም፡፡ ቲንኪንግ ስኩልስ ፕሮጀክት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዓብይ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ዘብርሁ ኣይተ ባህታ፣ እዚ ፕሮጀክት ንምዕዋት ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ትፅቢት ዝግበር ኩለመዳያዊ ድጋፍ ከምዝወሃብ ቃል ኣትዮም፡፡

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms