Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 172 guests and no members online

16/07/2007ዓም፡- ነዚ ዘቕረቡ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ላዕለዋይ ክኢላ ውዳበ ኣበላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ኣይተ ተስፋይ ኣበራ እንትኾኑ፣ ሰራሕተኛታት ኮሌጅ ሕክምና እንስሳት ክሳብ ሐዚ ዝገበርዎ ድጋፍ ዝነኣድን ኣባላት ማልት ዘይኮኑ ሰራሕተኛታት እቲ ኮሌጅ ክስዕብዎ ዝግባእን ሰናይ ተግባር ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ማልት ኣይተ ወ/ስላሴ ረታ ብወገኖም፣ ማሕበር ልመዓት ትግራይ ኣባላታን ደገፍታን ዝውፍይዎ ኩለመዳያዊ ሓገዝ ተጠቒማ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት እንዳወገነት ከምትርከብ ኣብሪሆም፡፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ርብዒ ክፍለ ዘበን ኣብ ዘፈራት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ምዕባይ ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ፣ ምንካይ ስእነት ስራሕን ካልኦትን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝሰርሐት ዝሓበሩ ኣይተ ወ/ስላሴ፣ ሐዚ’ውን ዝተርፉ ስራሕቲ ንምውጋን ኣባላት ማልት ሰራሕተኛታት ዩንቨርስቲ መቐለ  ኮሌጅ ሕክምና እንስሳት ይገብርዎ ንዘለዎ ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡

መንግስቲ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ዘብርሁ ኣይተ ወ/ስላሴ፣ ሕፅረት መመሃሪ ክፍልታትን እታወታትን ይፈታተንዎ ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡ እዙይ ንመንግስቲ በይኑ ደርቢኻ ዝድለ ምዕባለን ለውጥን ክመፅእ ኣይኽእልን ዝበሉ ኣይተ ወ/ስላሴ፣ ኣበላት ኢሉ’ውን ደገፍቲ ማልት ነዚ ንምፍታሕ ኣብዝካየድ ፃዕሪ እጃሞም ከበርክቱ ፀዊዖም፡፡

ኣብ’ቲ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ኮሌጅ ሕክምና እንስሳት ዝተኻየደ ናይ ምኽክክር መድረኽ ዝተረኸቡ ዲን ኮሌጅ ሕክምና እንስሳት ዶ/ር በሪሁ ገ/ኪዳን ብወገኖም፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ትገብሮ ዘላ ኩለመዳያዊ ፃዕሪ ድሕሪ ምንኣድ፣ ሰራሕተኛታት ኮሌጆም ሙሉእ ብሙሉእ ኣበላት ማልት ብምዃን እጃሞም ከምዘበርክቱ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡ ማልት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብምንጣፍ ፀገም እዚ ከባብን ሃገርን ንምፍታሕ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ብጭቡጥ ዝረአ እዩ ዝበሉ ዶ/ር በሪሁ፣ ነዚ ክትቅፅለሉ እንተኾና ሰራሕተኛታት ኮሌጆም ይኹኑ ካልኦት ኣብ ጎና እንትስለፉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

 

ኣብቲ ምኽክር መድረኽ ዝተረኸቡ ሰራሕተኛታት ኮሌጅ ሕክምና እንስሳት ብወገኖም “ ክሳብ ሐዚ ማልት ትገብሮም ዘላ ምንቅስቓሳት ዝነኣዱ’ዮም፡፡ ቅድም ክብል ኣባላት ማልት ነይርና ይኹን’ምበር ቅብሊት ደረሰኝ ስለዘይወሃበና ኣቋሪፅና ኢና፡፡ ንምንታይ ግቡእ ቅብሊት ደረሰኝ ዘይወሃበና? ማልት ትደልዮ ሓገዝ ገንዘብ ጥራሕ ድዩ ወይስ ዘለና ክእለትን ፍልጠትን ተጠቒምና’ውን ክንሕግዛ’ዩ? ከም ቃላሚኖ ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምግፋሕ ማልት ንምንታይ ዘይትነጥፍ?” ዝብሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ዘቐረቡ እንትኾኑ፣ ንሕድሕድ ሕቶን ርኢቶን ኣብቲ መድረኽ ብዝተረኸቡ ሓለፍቲ ስራሕ ማልት ዝርዝር መብርሂ ተዋሂብዎም’ዩ፡፡

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms