Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 45 guests and no members online

ዕለት 11 መጋቢት 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዕላዊ ኣብ ዝኾነ ዋዕላ ዝተጀመረ ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ግሊመር ኦፍ ሆፕ ዝበሃል ገባሪ ሰናይ ትካልን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ብምትሕብባር ኣብ ሸሞንተ ጣቢያታት ዝትግበር መደብ ልምዓት ’ዩ።

ነቲ ዋዕላ ብመደረ ዝኸፈቱ ተወካሊ ቢሮ ትምህርቲ ክልልና ኣይተ ኣፅብሃ ሃይለዝጊ፦ “ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ኣብ ወረዳታት ሕንጣሎ ወጀራትን ላዕላይ ማይጨውን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት እናሰርሐ ምፅንሑን፣ ሀዚ ድማ ኣብ ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ብምብቅዑ፣ ኩልና ኣብ ጎኒ ደገፍትና ተሰሊፍና በቢክእለትና ክንድግፎም ይግባእ ኢሎም።”’

ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉሰ ከበዶም ብወገኖም “ዕላማ ፕሮጀክት ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ዝተምሃረ ጥዕንኡ ዝሓለወን ኩለመዳይ ሰብእና ዝተላበሰን ዜጋ ብምህናፅ ኣቢልካ፣ ዝሓሸን ዝማዕበለን ማሕበረሰብ ምፍጣር ምዃኑ ብምግላፅ፣ እዚ ምዕራፍ ሓደ ፕሮጀክት ብከባቢ 20 ሚልዮን ብር ኣብ ህንፀት ኣብያተ ትምህርትን ንባብን፣ ጨናፍር ማእኸላት፣ ሸቓቕ ሓፁርን ስራሕቲ ማይን ብምንጣፍ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ከምዝዛዘምን ንልዕሊ 30 ሽሕ ማሕበረሰብ ሸሞንተ ጣቢያታት ከምዝረብሕን ሓቢሮም።”

ኣይተ ንጉስ ኣተሓሒዞም፦ ብልሙድ ኣካይዳ ምዕባለ ክረጋገፅ ስለዘይኽእል ኩሉ እንዛረቦ ክንትግብሮ እንኽእል ክኸውን ይግባእ ድሕሪ ምባል፣ ኩሉ ኣባል ማሕበረ ሰብ ግዘ ከይበልዐ ተረባሪቡ ፕሮጀክትታቱ ብምቁፅፃር ምዕዋት፣ ንቐፃሊ ንዝወሃብ ዕድል ልምዓት ወሳኒ ስለዝኾነ በርቲዑ ክሰርሕ ኣተሓሳሲቦም።

ኣይተ ፀጋይ ተሊላንኣይተ ካሕሳይ ግርማይን ንገባሪ ሰናይ ግሊመር ኦፍ ሆፕ ወኪሎም ኣብዘስምዑዎ መደረ “ኩልሻዕ ፀገም ዘጋጥም ኣብ ህንፀት ፕሮጀክትታት ዘይኮነስ ኣብ ዘላቕነት ኣገልግሎት ስለዝኾነ፣ ተረባሒ ሕብረተሰብ ዝገብሮ ንቑሕ ተሳትፎ ሓለዋን ክትትልን ፕሮጀክትታቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅልን ስምዒት ዋንነት ከሕድርን ኣተሓሳሲቦም።”

ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ ድማ “ሕብረተሰብ ዝተሳተፈሉ ልምዓት ርኡይ ለውጢ ከምዘመዝግብ ካብ ተሞክሮና ዘረጋገፅናዮ ጉዳይ ስለዝኾነ፣ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ኩልና ተራና ክንፃወት ይግባእ ድሕሪ ምባል ናይ ኣፈፃፅማ ዓቕምና ተመዚኑ ተወሳኺ ሓገዝ ክንረክብ ስለዘኽእለና በርቲዕና ክንሰርሕ ፃውዒተይ የቕርብ” ኢሎም።

ተወከልቲ ማሕበረሰብ ሸሞንቲኤን ጣቢያታት ድማ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ትገብሮ ንዘላ ደገፍ ብምንኣድ ብገንዘብ፣ ጉልበትን ማተሪያልን ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ቃል ኣትዮም።

 

ግሊመር ኦፍ ሆፕ ካብ ዝጣየሽ 15 ዓመታት ከምዘቑፀረን፣ ዛጊድ ሓደ ቢልዮን ብር በጂቱ ብዘተኣታተዎም 7,500 ፕሮጀክትታት ትምህርቲ ጥዕናን ማይን ብምንጣፍ ከባቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ማሕበረሰብ ገጠር ክርባሕ ምኽኣሉ ተፈሊጡ’ሎ።

Click here See more Photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms