Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 162 guests and no members online

11/07/2007ዓም፡- ንሰራሕተኛታት ማልት ኣብ መስርሕን ሰራሕተኛን ኣዋጅ ቁፅሪ 377/96 ዘድሀበ ስልጠና ብክኢላታት ማሕበራዊ ጉዳይን ሰራሕተኛን ክልል ትግራይ ተዋሂቡ፡፡ ኣብቲ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማልት ዝተውሃበ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ስልጠና ተረኺቦም ስልጠና ዝሃቡ ክኢላ ምስፋን ኢ/ሰላም ዞባ መቐለ ኣይተ ኣርኣያ ኣስገዶም እንትኾኑ፣ ሰራሕተኛታት ትካላት ልምዓት ብዚ ኣዋጅ ከምዝምርሓ ኣብራህሪሆም፡፡ መስርሕን ሰራሕተኛን ኣዋጅ መሰልን ጉቡእን ሰራሕተኛን መስርሕን ጠሚሩ ዝሓዘ ከምዝኾነ ዘብርሁ ኣይተ ኣርኣያ፣ ሰራሕተኛታት ማልት ነዚ ተገንዚቦም ጉቡኦም ይኹን መሰሎም ከኽብሩ ምዒዶም፡፡ ነዚ ንምግባር ማሕበር ሰራሕተኛታት ምህላው ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ኣርኣያ፣ ማሕበር ሰራሕተኛታት ማልት ክጣየሽ ኩሎም ኣካላት ኣመራርሓን ሰራሕተኛን ማልት ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብ ፀዊዖም፡፡

መስርሕን ሰራሕተኛን ኣዋጅ ኣብ እዋን ኢንዳስትሪያላይዜሽን ዓበይ ብሪጣንያ ከምዝተጀመረ ብምብራህ መደረ ዘስምዑ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይን ሰራሕተኛን ክፍለ ከተማ ሰሜን ክኢላ ምስፋን ኢ/ሰላም ዝኾኑ ኣይተ በሪሁ ኣርኣያ’ዮም፡፡ ሃገርና ካብ 1936ዓም ጀሚራ ኣባል ትካል ዓለምለኸ ሰራሕተኛታ ኮይና መፂኣን ኣላን ዝበሉ ኣይተ በሪሁ፣ ኮይኑ ግና ኣብ  መሰርሕን ሰራሕተኛን ኣዋጅ ዘሎ ግንዛበ ሕበረተሰብ ክንድቲ ዝድለ ከምዘይዓበየ ገሊፆም፡፡ ሐዚ ሃገርና ካብ ሕርሻ ዝመርሖ ናብ ኢንዳስትሪ ዝመርሖ ቁጠባ ኣብ ምስግጋር ትርከብ ዝበሉ ኣይተ በሪሁ፣ ኣብዚ እዋን ምፍላጥ መስርሕን ሰራሕተኛን ኣዋጅ ኣገዳሲ ኮይኑ’ሎ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡ ምፍላጥ መስርሕን ሰራሕተኛን ኣዋጅ ንትካል ይኹን ሰራሕተኛ ማዕረ ጠቐሜታ ኣለዎ ዝበሉ ኣይተ በሪሁ፣ ዝርዝር ግቡእን መሰልን ሰራሕተኛን መስርሕን ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 377/96 ተኻቲቱ ስለዘሎ ኩሉ ሰራሕተኛ ማልት ኣንቢቡ ክርዳእ ከምዝግበኦ ገሊፆም፡፡ ምፍላጥን እኹል ገንዛበ እቲ ኣዋጅ ምሓዝን ካብ ዘየድሊ ንትርኽን ምስሓት መስርሓትን ኣዝዩ ከምዘናግፍ ዝሓበሩ ኣይተ በሪሁ፣ እዙይ ድማ ንሰለጤንን ፅሬትን ሰራሕ መስርሒ ኢሉ’ውን ሰራሕተኛ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም፡፡

ሰራሕተኛታት ማልት መስርሕን ሰራሕተኛን ኣዋጅ ዝህቦም መሰል ክጥቀሙ ዝኽእሉ ዓርሱ ዝኸኣለ ማሕበር ሰራሕተኛታት እንተጣይሹ ከምዝኾነ ዘብርሁ ኣይተ በሪሁ፣ ማሕበር ሰራሕተኛታት ማልት ክምስርቱ ይግባእ ክብሉ ምዒዶም፡፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ምስ ኣመራርሓ ስራሕ ሓደ ትካል ክደራደርን መሰል ኣባላቱ ከኽብርን ንምግባር ዝጣየሽ ከምዝኾነ ብዝርዝር ዘብርሁ ኣይተ በሪሁ፣ ነዚ ዓንዲ ሑቐ ሰራሕተኛታት ዝኾነ ማሕበር ንምጥያሽ ሰራሕተኛታት ማልት ብዕቱብ ክሰርሑ ፀዊዖም፡፡

 

ማሕበራዊ ጉዳይን ሰራሕተኛን ነዚ ዓበይ ረብሓ ዘለዎ ናይ ግንዛበ መዕበይ ስልጠና ክህብ ናብ ትካልና ምምፅኡ ኣዚና ነመስግን ዝበሉ ድማ ኣብቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ሰራሕተኛታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ’ዮም፡፡ ዋላኳ ከምዚ ዓይነት ስልጠና ዘለዎ ረብሓ ዓብይ ከምዝኾነ ዘተሓትት እንተዘይኮነ ብማሕበራዊ ጉዳይን ሰራሕተኛን ክልልና ዝግበር ምንቅስቓስ ክንድቲ ዝድለ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ሰራሕተኛታት፣ ካብ ሐዚ ንድሓር ዕቱብ ክትትል ክግበረሉን ቀፃልነት ክህልዎን ተላቢዎም፡፡

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms