Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 101 guests and no members online

እቲ 01 መጋቢት 2007 ዓ.ም ተመሪቑ ንተጠቀምቲ ዝተረከበ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ደገዝማቲ፣ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ደጉዓለ ቑሸት ታሕታይ ዛግር ዝርከብ’ዩ።

“ህዝቢ፣ መንግስትን ዘይመንግስታዊ ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን ብሓባር ተዋዲዶም ምቹው ሃዋሁ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምፍጣር ይገብሩዎ ናይ ዘለዉ ቀፃሊ ፃዕሪ ሓደ ኣካል ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ንምምራ ብምብቃዕና ንኹሎም ደገፍቲ ልምዓትና ብስም ማሕበር ልምዓት ትግራይ የመስግን” ዝበሉ ፈፃሚ ዳይረክተር ማልት ዶክተር ታደለ ሓጎስ እንትኾኑ፣ “ህንፃ ምስራሕ ንበይኑ ፅርየት ትምህርቲ ከረጋግፅን ተምሃሮ ከብቅዕን ስለዘይክእል፣ ወለዲ ምስ ደቅኹምን መምህራንን ብምርድዳእን ብምዝታይን ብሉፃትን ተረከብቲ ዓድን ህፃናት ክህነፁ ኣበርቲዕኹም ክትሰርሑ ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ንዓበይቲ ዓዲ ጣቢያ ደጉዓለን ቁሸት ታሕታይ ዛግርን ብምውካል መደረ ዘስምዑ             ኣይተ ኣረፋይነ መስፍን ብወገኖም “ህዝቢ ጣቢያና ኣብ ጎኒ ውዱቡ ህወሓት ተሰሊፉ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለን ፍረቓልሱ ምስትምቓር ዝጀመረን ህዝቢ ‘ዩ።” ድሕሪ ምባል ንገበርቲ ሰናዮም ዘለዎ ክብርን ናእዳን ገሊፆም።

 

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣይተ ብሩህ ዘፈሩ ብወገኖም፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወረድኦም ዛጊድ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ህንፀት ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ጥዕናን ምውጋና ብምዝኻር፣ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ምምሕያሽ ክእለት ምንባብ ተምሃሮ ትሰርሖ ዘላ ስራሕቲ ፅርየት ትምህርቲ ንምምሕያሽ መዳርግቲ ከምዘይርከቦን ብምግላፅ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ማልት ተሰሊፉ ከጠናራ ፀዊዖም።

Click Here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms