Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 72 guests and no members online

ንሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቆልቆላ 29 ለካቲት 2007 ዓ.ም ብምምራ ንሕብረተሰብ ዘረከቡ ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይን ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ዞባ ምዕራብን ‘ዮም።

ርእሰ መምህር’ታ ቤት ትምህርቲ ኣብቲ እዋን ኣብዘስምዑዎ መደረ፦ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝገበረትልና ኣስተዋፅኦ ፈፂሙ ዘይርሳዕን ኣብ ሰነድ ቤት ትምህርትና ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ኮይኑ ዝመጥ ታሪክ’ዩ” ድሕሪ ምባል፣ “ማልት ሓበን ህዝባ ምዃና ዝተረድአት ቤት ትምህርትና ብቤት ትምህርቲ ደረጃ ትካላዊ ኣባል ማ.ል.ት ኣብ ርእሲ ምዃና፣ ነባሪ ቁሸትናን ጣቢያናን ኣባላት ማልት ኮይኖም ማልት ከጠናሩ ኣበርቲዕና ኣብ ምስራሕ ንርከብ” ክብሉ ተዛሪቦም። 

ፅርየት ትምህርቲ ካብ ዘረጋግፁ ባእታታት ሓደ ደረጅኡ ዝሓለወ መምሃሪ ህንፃ ምዃኑ ዝሓበሩ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ዞባ ምዕራብ ኣይተ ዳንኤል፤ ማልት ትገብሮ ንዘላ ሰናይ ፃዕሪ ብስም ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ብምምስጋን፣ ተምሃሮ፣ መምህራንን ወለድን ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ተዋዲዶም ክሰርሑን ሓፁር እቲ ቤት ትምህርቲ ክሃንፁን ኣተሓሳሲቦም።

ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ ብወገኖም “ማልት ንትምህርቲ ቀንዲ ጠመተ ሂባ በቢኸባቢኡ ኣብያተ ትምህርቲ ትሃንፅ ዘላ፣ መናእሰይን ሰገናትን ትግራይ ኩለመዳይ ዓምን ክእለትን ኣጥሪኹም ሃገርኩም ናብ ዘተኣማምን ምዕባለን ለውጥን ክተሰጋግሩዋ ብምዕላም ስለዝኾነ፣ ጠንኪርኩም ብምምሃር ንትግራይ ክትሕግዙ ይግባእ” ድሕሪ ምባል፣ ወለዲ ድማ ደቆም ከምህሩን ክከታተሉን ሓደራ ኢሎም።

 

ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቆልቆላ ብምትሕብባር ጨናፍር ማልት ኣዲስ ኣበባ፣ ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ወልቃይት ዝተሃነፀ’ዩ።

Click here to see more photos...

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms