Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 35 guests and no members online

እዚ ዝተሓበረ ብጨንፈር ማ.ል.ት ድሬዳዋ ኣብ ቁሸት ምግላብ ፈረስ ብልዕሊ 3.5 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝህነፅ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምግላስ ፈረስ ዕለት 29 ለካቲት 2007 ዓ.ም ህንፀቱ ዘበስር እምነ ሰረት ኣብ ዝተነበረሉ እዋን ’ዩ።

ምክትል ዋና ኣመሓዳሪት ወረዳ ቓፍታ ሑመራ ወ/ሮ ሚዛን ታደሰ፦ “ንተምሃሮና ካብ ዳስ ምምሃር ኣናጊፉ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝምቹ ዘበናዊ ህንፃ ንምህናፅ ንዝመፃእኹም ኣመራርሓ ዓለም ለኸ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት፣ ውዳበ ማ.ል.ት ጨንፈር ድሬዳዋን ተወከልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ኣዚና ነመስግን” ኢለን።

“ኣብ ድሬዳዋ ዝነብር ትግራዋይን ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረ ሰባትን ኣተሓባቢርና ዳስ ቤት ትምህርትኹም ናብ ዘበናዊ ህንፃ ንምልዋጥ ኣብ ዝገበርናዮ ምንቅስቓስ ዕዙዝ ተራ ንዝተፃወቱ ምምሕዳር ድሬዳዋን 1,620 ኪ.ሜትር ኣቋሪፆም እምነ ሰረት ንምንባር ንዝመፁ ተወከልቲ ዓበይቲ ዓዲን ንዝገበሩዎ ኩለ መዳያዊ ሓገዝ ነመስግን” ዝበሉ ድማ፣ ኣቦ መንበር ውዳበ ማልት ጨንፈር ድሬዳዋ ኣይተ ተወልደ ገ/መድህን እዮም።

ኣይተ ተወልደ ኣተሓሒዞም ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ፦ “ክንሃንፆ ሓሲብና ዝመፃእና ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዘምህር ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ’ኳ እንተነበረ፣ ከቢድ ፀገም’ዚ ከባቢ ብዓይንና ክንሪኦን ክንዕዘቦን ብምኣልና፣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ናብ ዘምህር ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቀይርናዮ ኣለና” ድሕሪ ምባል፣ ዛጊድ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ብር ምትእኻቦምን ተወሳኺ ምትእኻብ ሓገዝ ጌሮም ኣብ ሓፂር እዋን ነቲ ቤት ትምህርቲ ሃኒፆም ከምዘረክቡን ገሊፆም።

“ኣብ ንነብረሉ ከተማ ድሬዳዋ ኮይንና ትግራይ ወርቂ ከምዝዘነበሉ ኢና ንሰምዕ ኔርና፣ ብዓይንና መፂእና ዝረኣናዮ ግና ኣዝዩ ዘሕዝንን ንምግላፁ ዘፀግምን ጉድኣት ተምሃሮ ኢና ተዓዚብና” ዝበሉ ተወከልቲ ብሄር ብሄረሰባት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ሃረሪን ሱማልን ኣብ ጎኒ’ቲ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ ሰላማዊን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ዝሃነፀ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍና ፀገሙ ንምቅላል ድጋፍና ክነሓይል ኢና ክብሉ ቃል ኣትዮም።

ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ብወገኖም “ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፍለ መስዋእቲ፣ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮዽያ ነናይ ባዕለን ፀገም ከቃልላን ክፈትሓን ጥራሕ ዘይኮነስ ፀገም ካልኦት ‘ውን ሓቢረን ከቃልላን ዝዓለመ ብምንባሩ ቃልስና ድሕሪ ዓወት ፍረ ምፍራይ ምጅማሩ እዚ ሎሚ ነቐምጦ ዘለና እምነ ሰረት ህንፀት ቤት ትምህርቲ ሓደ መርኣያ እዩ” ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ሀዚ’ውን ብርክት ዝበላ ዳስ ኣብያተ ትምህርቲ ምህላወን ዘዘኻኸሩ ዶክተር ታደለ ህዝቢ ትግራይን ፈተውቲ ልምዓት ህዝብናን ብዝገብሩዎ ኩለ መዳያዊ ደገፍ ኣብ ቀረባ እዋን ኩለን ዳሳት ናብ ዘበናዊ ህንፃ ከምዝየራ ዘለዎም እምነት ብምግላፅ ንኹሎም ገበርቲ ሰናይ ብስም ማ.ል.ትን ተጠቃሚ ሕብረተሰብን ኣመስጊኖም።

 

ኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ኣይተ ኢሳያስ ታደሰ ድማ፦ “ምስክር ናይ ኩሉ ዓይነት ፅንዓትን ተምሳሌትን ዝኾንካ ህዝብና ሓለፋ ስለዝተቓለስኩን መስዋእቲ ስለዝኸፈልኩን ሓለፋ ይገበረለይ እንተይበልካ ጎቦታትካን ሽንጥሮታትካን እናፈሓርካ ተልምዕ ምህላውካ ዝተገንዘቡ ገበርቲ ሰናይ ወገናትካ፣ ኣብቲ ትገብሮ ሓያልን ፃዕራምን ምንቅስቓስ ተርኦም ንምፅዋትን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮዽያ ዘሎ ሓድነትን ፍርን ንምጥንኻርን ተሊሞም ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ብዝመፁ ወገናትና ክንኮርዕን ክንሕበንን ይግባእ” ኢሎም።

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms