Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 23 guests and no members online

ኣብቲ 29 ለካቲት 2007ዓም ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝተሳለጠ ናይ ምኽክር መድረኽ ደረጃ ሀን ለን ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ ሸራሮ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንተሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ንምድጋፍ ብሽም ትካሎም ኣባላት ንምዃን ቃል ኣትዮም፡፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፅላል ኩሉ ትግራዋይ’ያ ዝበሉ እዞም ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ፣ ግብኦም ንምፍፃም ውዓል ሕደር ከምዘይብሉ ሓቢሮም፡፡

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ከተማ ሸራሮን ከባቢኣን ብዙሓት ስራሕቲ ልምዓት ከምዝወገነት ዝሓበሩ ኣመራርሓ ቦርድ ማልት ከተማ ሸራሮ ኣይተ ኣረጋዊ እንትኾኑ፣ ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ኩሎም መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ነበርትን ዋላኳ ኣባላት ማልት ብምዃን ግቡኦም ይፍፅሙ እንተሃለው፣ ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ ሸራሮ ግን ክንድቲ ዝድለ ኣይኮነን ክብሉ ገሊፆም፡፡ ድጋፍ ማሕበረሰብ ንግዲ እንተዘይተወሲኽዎ ማልት ስሉጥ ስራሕቲ ልምዓት ክትግን ከምዘይትኽእል ዝሓበሩ ኣይተ ኣረጋዊ፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኩሉ ነጋዳይ ማሕበረሰብ ከተማ ሸራሮ ብሽም ትካሉ ኣባል ብምዃን ስራሕቲ ማልት ክድግፍ ፀዊዖም፡፡

ዓይነታት ኣባልነት ማልት ኣርባዕተ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማልት ኣይተ ሃ/ማርያም ሃፍቱ እንትኾኑ፣ ካብ መንጎ እዞም ዓይነታት ትካላዊ ኣባልነት ሓደ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ ትካላዊ ኣባልነት ማልት ኣብ ሰለስተ ብርኪ ዝኽፈል ማለት’ውን ቀዳማይ ብርኪ (ብር 1000 – 5000)፣ ካልኣይ ብርኪ (ብር 5000 – 10000)፣ ሳልሳይ ብርኪ (ልዕሊ ብር 15000) ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ሃ/ማርያም፣ ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ ሸራሮ ካብ’ዞም ብርክታት ትካላዊ ኣባልነት ኣብ ሓዲኡ ብምእታው ስራሕቲ ማልት ክድግፍ ፀዊዖም፡፡

ማልት ኣብ መላእ  ትግራይ ትፍፅሞም ስራሕቲ ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ሓበሬታ ከምዝከታተሉ ዝሓበሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ ሸራሮ፣ ክንከፍልን ክንውደብን ፀሊእና እንተዘይኮነስ ዘተሓባብረና ስለዝሰኣንና እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ነዚ ስራሕ ክውግን ብማልት ዝተሰየመ ኣካል ሐዚ’ውን ከይተሰላቸወ ከተሓባብረና ይግባእ ዝበሉ እዞም ነጋዶ፣ እዙይ እንተተገይሩ ካባና ዝሕሎ ዘበለ ኩሉ ክንገብር ኢና ክብሉ ብሓደ ድምፂ ቃል ኣትዮም፡፡

 

እዚ መድረኽ እቲ ፀገም ኣበይ ከምዘሎ ብንፁር ክንርኢ ሓጊዙና ኣሎ ዝበሉ ኣተሓባባሪ ክላስተር ክልተን ላዕለዋይ ክኢላ ውዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማልት ኣይተ ኣበበ ተሾመ እንትኾኑ፣ ኣመራርሓ ቦርድ ማልት ከተማ ሸራሮ ነዚ ስራሕ ዓብይ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ተላቢዎም፡፡

Click here to see more pictures...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms