Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 20 guests and no members online

እዚ ዝቐረበ 27 ለካቲት 2007ዓም ብኣተሓባባርነት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፣ ኣብ ከተማ ኣኽሱም፣ ሆቴል ሳቢያን ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ’ዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ካብ ኩለን ወረዳታትን ዘቦታትን ትግራይ ዝመፁ ሓለፍቲ፣ ምክትላትን ክኢላታትን ርክብ ህዝብን መንግስትን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፣ ኣብ ስራሕቲ ማልት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም፡፡

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቅድሚ 25 ዓመታት ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝተናገፈት ምዕብልቲ ትግራይ ምፍጣር ዝብል ራእይ ተሓንጊጣ ከምዝተጣየሸት ዝሓበሩ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ማልት ኣይተ ወ/ስላሴ ረታ እንትኾኑ፣ ብሰረት ዝሓዘቶ ራእይ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ርብዒ ክፍለ ዘበን ኣዝዮም ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ሓቢሮም፡፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ማሕበረ - ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ኣብ መዳያት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ምንካይ ስእነት ስራሕ ወዘተ ብሰፊሑ ከምዝወፈረት ዝገለፁ ኣይተ ወ/ስላሴ፣ ሐዚ’ውን ማልት ኣብዞም መዳያት ብዝተዓፃፀፈ ከምትነጥፍ ሓቢሮም፡፡ ማልት ሃፍታ ኣበላታ ከምዝኾኑን ካብ ኣባላት ዝርከብ ሃፍቲ ብግቡእ ከምዝምሕደርን ዝሓበሩ ኣይተ ወ/ስላሴ፣ ኣባላት ዝልግስዎ ሃፍቲ ኣበይ ይውዕል ከምዘሎ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ምግላፅ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡ ስራሕቲ ማልት ኣብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ዝውገኑ ምዃኖም ዝገለፁ ኣይተ ወ/ስላሴ፣ ሓለፍትን ክኢላታትን ርክብ ህዝቢ ወረዳታት ነዚኦም ናይ ምምስካር ሓላፍነት ከምዘለዎም ሓቢሮም፡፡ ብመሰረት’ዚ ሓለፍትን ክኢላታትን ርክብ ህዝብን መንገስትን ወረዳታት ነዞም ስራሕቲ ኣብ ዝሕትምዎም ውፅኢታት ሕትመት ከካትትዎም ዝተላበው ኣይተ ወ/ስላሴ፣ እዙይ እንተተገይሩ ቁፅሪ ኣባላት ማልት ክውስኽን እቶት ማልት ክድንፍዕን ከምዝኽእል ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ነቲ ስልጠና ዘዳለው ኣብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንገስትን ትግራይ ክኢላ ስልጠናታት ኣይተ መስፍን ታደሰ ብወገኖም፣ “ሓቂ ንምዝራብ ከምዚ ኮፍ ኢልና ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ማልት ተዘራሪብና ኣይንፈልጥን፡፡ ስራሕቲ ርክብ ህዝቢ ንማልት ዘለዎ ረብሓ ኣብ ግምት ኣእቲዎም ምሳና ክሰርሑ ምጅማሮም ከመስግኖም ይፎቱ፡፡ ሐዚ’ውን ርክብና ብዝበለፀ ክንቅፅለሉ ይግባእ፡፡ ኣንቱም ኣብዚ ስልጠና ተሳቲፍኩም ዘለኹም ክኢላታት ፕረስን ሓለፍትን፣ ካብ ሐዚ ንደሓር ኣብ ትሕትምዎም ውፅኢታት ሕትመት፣ ስራሕቲ ማልት’ውን ክተካትቱ ይግባእ፡፡ እዛ ማሕበር ናትና’ያ፣ ንሕና እንተዘይሓጊዝናያን እንተዘይደጊፍናያን መን ክሕግዛ ይኽእል? ሓደ ሓደ ወረዳታት ኣብ ውፅኢታት ሕትመትኩም ስራሕቲ ማልት ኣመልኪትኩም ፅሑፋት ከምትሕትሙ እፈልጥ’የ፡፡ ሐዚ ግን ኩላትና ኣሰር እዞም ወረዳታት ክንክተል ይግባእ ዝብል ሓሳብ’የ ክህብ ዝደሉ፡፡ ደጊመ ንመቕረባይ እዚ መድረኽ ዘተ ኣይተ ወ/ስላሴ ከመስግን፡፡ የቐንየልና!!” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

 

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ክኢላታትን ሓለፍትን ርክብ ህዘብን መንግስትን ወረዳታት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝሕትምዎም ውፅኢታት ሕትመት ይኹን ካልኦት ሜላታት ርክብ ስራሕቲ ማልት ከካትቱ ምዃኖም ገሊፆም፡፡

Click here to see more pictures...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms