Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 24 guests and no members online

እዚ ዝተሓበረ 12 ለካቲት 2007ዓም ብምትሕብባር ማልት፣ ገልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስትን ምምሕዳር ከተማ ውቕሮን ዝተሃንፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣውላዕሎ - ውቕሮ ኣብ ዝተመረቐሉ እዋን፣ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይረክተር ማልት     ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ እዩ። ማሕበር ልምዓት ትግራይን መንግስቲ ክልልናን ነዚ ዘፈር ዓብይ ጠመተ ብምሃብ ይሰርሑ ምህላዎም ዝገለፁ ዶ/ር ታደለ፣ ሐዚ’ውን ብዝደልደለ ኩነታት ክኸይድ ኣብ ምግባር ዝተርፍ ነገር ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡ ህፃናት ካብ ቁልዕነቶም ጀሚሮም ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዓብይ ፍቕሪ ክሓድሮም ኣብ ምግባር ግደ ሕብረተሰብ ዓብይ’ዩ ዝበሉ ዶ/ር ታደለ፣ እዙይ ምግባር እንተተኻኢሉ ቀፃልነትን ስሉጥ ልምዓትን ሃገርና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ጋህዲ ምግባር ከምዝከኣል ሓቢሮም፡፡ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣውላዕሎ ካብ ከተማ ውቕሮን ከባቢኣን ዝመፁ ተምሃሮ ክግልገልሉ ከምዝተሃነፀ ዝገለፁ ዶ/ር ታደለ፣ እዚ ቤት ትምህርቲ ዘበናዊ ናውቲ ቤተ ፈተነ ዝተማለኣሉ ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ግቡእ ክትትል እንዳሃበ ክጥቀመሉ ፀዊዖም፡፡ ህንፃ ምህናፅ ጥራሕ ናይ መወዳእታ ሽቶ ኣይኮነን ዝበሉ ዶ/ር ታደለ፣ ወለዲ ኩነታት ደቆም ብምክትታል ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝማዕበለ ዜጋ ክፈርይ ኣብ ምግባር እጃሞም ክዋፅኡ ተላቢዎም፡፡

ኣብ ከተማ ውቕሮ ዘለዋ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ተምሃሪ ብምሽካመን፣ ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዓብይ ፈተና ኮይኑ መፂኡ’ዩ ዝበሉ ድማ ከንቲባ ከተማ ውቕሮ ኣይተ ዘርኡ ገ/መስቀል’ዮም፡፡ እዚ ቤት ትምህርቲ ኣብ ፅባሕ መበል 40 ዓመት ልደት ህወሓት ምምራቑ ፍሉይ ይገብሮ ዝበሉ ከንቲባ ዘርኡ፣ ዝተረፉ ብዙሓት ስራሕቲ ማልትን ገልፋንድ ፋሚሊ ቻሪታብል ትረስትን ምስ ምምሕዳሮም ብምዃን ከምዝውግንዎም ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ናብ ኢትዮዽያ ምምፀኦም ዝሓበሩ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ገልፋንድ ፋሚሊ ቻሪታብል ትረስት ሚ/ር ማርክ ገልፋንድ፣ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ ካብ ኢትዮዽያ ዝኸዱ ቤተ እስራኤላውያን ንምምፅኦም ምኽንያት ከምዝኾኑዎም ድሕሪ ምሕባር፣ ኩሉ ሰብ ዕድል እንተረኺቡ ዝለዓለ ብርኪ ፍልጠት ክውንን ከምዝኽእል ሓቢሮም፡፡ ቤተ እስራኤላውያን ፈለማ ናብ እስራኤል እንትመፁ፣ መብዛሕትኦም ኣብ ሕርሻ ዝተዋፈሩን ብዙሕ ኣፍልጦ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ከምዘይነበሮም ዝሓበሩ ሚ/ር ማርክ፣ መንግስቲ እስራኤል ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሕ ስራሕቲ ድሕሪ ምስርሑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዝለዓለ ስልጣን መንግስቲ ክሳብ ተመራመርቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኮይኖም ይርከቡ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ነዚ ብምዕዛብ ናብ ኢትዮዽያ ከምዝመፁ ዝገለፁ ሚ/ር ማርክ፣ ወለዲ ደቆም ንዘፈር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዓብይ ቆላሕታ ክህቡ ሚዒዶም፡፡

ኣብ ሓደ ክፍሊ ክሳብ 70 ዝበፅሑ ተምሃሮ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ እንዳተምሃሩ ከምዝፀንሑ ዝገለፁ ንዓበይቲ ዓዲ ወኪሎም ዘረባ ዘስምዑ ዓብይ ዓዲ ቀሺ ደስታ ሃ/ስላሴ ብወገኖም፣ ነዚ ፀገም ተረዲኦም ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንዝሃነፁ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ገልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስትን ኣመስጊኖም፡፡ ኩሉ ነገር ካብ ሓገዝቲ ክንፅበ የብልናን ዝበሉ ዓብይ ዓዲ ቀሺ ደስታ፣ ዝተረፉ ስራሕቲ ሓፁርን ካልኦትን ጉልበትናን ገንዘብናን ብምውፋይ ክንውግኖም ኢና ክብሉ ቃል ኣትዮም፡፡

ኣብቲ ስነ - ስርዓት ተረኺቦም ሽልማት ወረቐት ምስክርን ህያባትን ዘበርከቱ ጠማቲ ከተማታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ተኽለ ገ/መድህን ብወገኖም፣ እዚ ቤት ትምህርቲ ኣብዚ ከባቢ ዝነበረ ልዑል ፀገም ከምዘቃልል ገሊፆም፡፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከምዚ ዝበለ ስራሕ ትውግን ካብ ኣባላታን ደገፍታን ብትረኽቦ ሓገዝ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ተኽላይ፣ ሕብረተሰብ ብብርኪ ስድራ፣ ውልቀን ትካልን ኣባል እዛ ህዝባዊት ትካል ብምዃን እጃሙ ከበርክት ፀዊዖም፡፡

 

ብተመሳሳሊ ማርክ ጌልፋንድ ቻሪተብል ትረስት ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ኣክሱም ዩኒቨርሲቲን ብምትሕብባር፣ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ንዘህንፆ STEM Center (ማእኸል ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንጂነሪንግን ማተማቲክስን) ምጅማር ህንፀት ዘበስር እምነ ኩርናዕ ዕለት 10 ለካቲት 2007 ዓ.ም ተነቢሩ ’ዩ።

Click Here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms