Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 169

Who's Online

We have 87 guests and no members online

እዚ ፃውዒት ዝቐረበ 12 ለካቲት 2007ዓም ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ትግራይን ገልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስትን ኣብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣብ ዝርከብ ቤተ ንባብ ብከባቢ ፍርቂ ሚልዮን ብር ናውቱ ዝተማልአ ኢ - ላይብረሪ ኣብ ዝተመረቐሉ እዋን’ዩ፡፡ ነዚ ፃውዒት ዘረቡ ሓላፊ ቤተ ንባብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣይተ ጌታቸው እንትኾኑ፣ ብማሕበር ልምዓት ትግራይን ገልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስትን ዝተገበረ ደገፍ ታሪኻዊ ፍፃመታት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምዕቃብ ዓብይ ረብሓ ከምዝህልዎ ገሊፆም፡፡ ታሪኽ ዝዕቀብ ኩሉ ሕብረተሰብ ግቡእ ጠመተ ሂቡ እንትሰርሕ’ዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፣ ሐዚ’ውን ኩሉ ፈታዊ ዓዱ ኣገደስቲ ናውቲ ብምምላእ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ብምድጋፍ ዜግነታዊ ሓላፍነቱ ክፃወት ፀዊዖም፡፡

ኣብቲ ስነ - ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ብወገኖም፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዘፈራት ትምህርትን ጥዕናን ካብ ትዓሞም ስራሕቲ ልምዓት ብተወሳኺ፣  ታሪኽ፣ ባህልን ቋንቋን ትግራይ ንምዕቃብ እትገብሮ ፃዕሪ ኣሐይላ ከምትፅለሉ ገሊፆም፡፡ ማልት ዝተፈላለዩ ንዋታውን ፋይናንሳውን ሓገዝ ብምእካብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ከምትውግን ዘዘኻኸሩ ዶ/ር ታደለ፣ ገልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስት እዚ ስራሕ ዘለዎ ረብሓ ተረዲኡ 28 ኮምፒተራት ምስ ሙሉእ ኣቑሕተን ብምልጋሱ ነዛ ዕለት በቒዕና ኣለና ድሕሪ ምባል ነቲ ትካል ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም፡፡ ሕፅረት መፃሕፍቲ እዚ ቤተ ንባብ ንምፍታሕ፣ ማልት ካብ ዝተፈላለዩ መሓዙት ልምዓት ዝረኸበቶም 62,000 ዲጂታል መፃሕፍቲ ከምዝለገሰት ዝሓበሩ ዶ/ር ታደለ፣ ሐዚ’ውን ነዚ ማእኸል ተምሳሌት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ትካል ንምሕጋዝ ሓቢራ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትዮም፡፡

ቅድሚ ኣርባዓ ዓመታት ኣብ ህዝብታት ኢትዮዽያ ዝበፅሕ ዝነበረ መፅቀጥቲ ካብ ስሩ ንምምሓው ዝተቓለሱ ሰማእታት ኣብ ዝዓረፍሉ ቦታ ነዚ ስራሕ ክሰርሕ ምኽኣለይ ዓብይ ዕድል’ዩ ዝበሉ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ገልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስት ሚ/ር ማርክ ገልፋንድ፣ ዝሓለፈ ስርዓት ኣብ ህዝብታት ቤተ እስራኤል ዘብፀሖም ግፍዕታት ዓበይቲ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፡፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ነዚ ፃውዒት እንትተቕርበለይ ብሕጉስ መንፈስ ተቐቢለ’የ ናብዚ መፂአ ዝበሉ ሚ/ር ማርክ፣ ቀፃልነት ዘለዎ ሓገዝ ከምዝገብሩ ቃል ኣትዮም፡፡  ተዋሂበን ኣብ ዘለዋ ኮምፒተራትን ካልኦት ናውትን ዝኾነ ፀገም እንተተራእዩ ዝምልከቶም ኣካላት ብቕልጡፍ  ከፍልጥዎም ዝተላበው ሚ/ር ማርክ፣ ትካሎም እውን ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ብምሃብ ዝተፈጠረ ፀገም ከምዝፈትሕ ገሊፆም፡፡

 

ኣብቲ ስነ - ስርዓት ምረቓ፣ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ገልፋንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስትን ተወካሊ ገልፈንድ ፋሚሊ ቻሪተብል ትረስት ኣብ ኢትዮዽያ ንዝኾኑ ዶ/ር ኣለማዮህ ገ/እግዚኣብሄርን ሽልማት ቅርፂ ሓወልቲ ሰማእታት ተበርኪቱሎም’ዮ፡፡

Click Here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms