Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 68 guests and no members online

ህዝብን ምምሕዳርን ሕንጣሎ ወጀራት ነዚ ዝሓበሩ ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ዝበሃል ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብዛ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ጣቢያታትን ቁሸታትን ዝሃነፆምን ዝሃንፆም ዘሎን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕናን ቀረብ ማይን ተዘዋዊሮም ንዝተዓዘቡ ጉጅለ ልኡኽ’ቲ ገባሪ ሰናይ ኣብዘስምዑዎ መደረ እዩ።

ጉጅለ ልኡኽ ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ተዋዲዱ ዝሃነፀሎም ትካላት ልምዓት ልዑል ፀገም ትምህርቲ ጥዕናን ማይን ከባቢኦም ዝፈትሐሎምን መዳርግቲ ዘይርከቦን ሓገዝ ምዃኑን፣ እዚ ድማ ሳላ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ውዳበታት ልምዓት ህዝብና ዝኾና ማሕበር ልምዓት ትግራይን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ዝተረኸበ ልምዓት ምዃኑ ከምዘሐብኖም ሓቢሮም።

ኣብቲ ካብ 13-15 ጥሪ 2007 ዓ.ም ዝተኻየደ ዑደት ትካላት ልምዓት፣ መስረትቲን ተሓባበርትን ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ፣ ዋና ኣፈፀምቲ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ኣመራርሓ ወረዳን ጣቢያን ዘካተተ ‘ዩ ኔሩ።

ገበርቲ ሰናይ ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ምስ ክልቲኤን ውዳበታት ልምዓት ምስርሖም ከምዘሐጉሶምን በቶም ዝተሃነፁ ትካላት ልምዓት ምዕጋቦምን ብምግላፅ፣ ንቕድሚት’ውን ተሓባቢሮም ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ “ንገበርቲ ሰናይ ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ዘለዎም ናእዳን ክብርን ብስም ትካሎምን ተጠቀምትን ድሕሪ ምግላፅ፣ ህዝቢ’ተን ከባቢ ኣብተን ዝተሃነፃ ትካላት ደቁ ከምህርን ጥዕንኡ ጥዕና መላእ ስድርኡን ክሕሉን ብምትሕስሳብ ነተን ትካላት ከም መርዓት ዓይኑ ክሕልወንን ክከናኸነንን ተላብዮም።”

ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ ብወገኖም “እንኳዕ ፍረቃልስኹም ዝኾነ ልምዓት ንምስትምቓር ኣብቀዐኩም” ኢሎም።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ዑደት ንክብሪ ጉጅለ ልኡኽ ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ኣብ ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝተሰናድአ እንግዶት ድራር ብማልት ዝተዳለወ ሽልማት ባህላዊ ክዳን ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክቡር ኣባይ ወልዱን ዳይረክተር ማረት ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋን ተዋሂቦም ‘ዮም።

 

Click Here to See more Photos

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms