Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 184 guests and no members online

ነዚ ዝሓበሩ ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናይ ዝነጥፍ ፕሮጀክት ’’ምምዕባል ክእለት ንባብ ብቑልዕነት’’ ቴክኒካል ማናጀር ኣይተ ፍቕረ ኣለምሰገድ እዬም፡፡

ኣይተ ፍቕረ ነዚ ዝበሉ ካብ ወረዳታት ራያ ኣላማጣ፣ ኦፍላ፣ ከተማታት ማይጨውን ኣላማጣን ዝተውፃፅኡ ልዕሊ 150 ሰልጠንቲ  ዝተሳተፉሉ መድረኽ ስልጠና ምብቕቓዕ ኣሃዳዊ መምህራንን ሱፐርቫይዘራትን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ እዩ፡፡

ነቲ ካብ 9-10 ጥሪ 2007 ዓ/ም ኣብ ከተማ ማይጨው ኣብ ዝርከብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወፍሪ ሰላም ብቓልሲ ዝተኻየደ መድረኽ ምብቕቓዕ ብመደረ ዝኸፈቱ ኣማኻሪ ጉዳያት ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ እዬም፡፡

ኣይተ ሳምሶን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ’’ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ምህናፅን እታወታት ካብ ምምላእን ብዝዘለለ፣ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ተምሃሮን መምህራንን ዝነጥፍ ፕሮጀክት ኣታኣታትያ፣ ኣብ ዞባና ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ወረዳታት መዕበዩ ዓቕሚ ስልጠና ክትህብ ምምፃኣ ብምንኣድ፣ ኣብቲ ስልጠና ትሳተፉ ኩልኹም ትረኽቡዎ ፍልጠት በቢከባቢኹም ንዝርከቡ መምህራን ንምብቃዕን ባህሊ ምንባብ ዘለዎን ኣንቢቡ ዝርዳእ ተምሃራይን ንምህናፅ ኣበርቲዕኹም ክትንቀሳቐሱ ይግባእ’’ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ዳይረክተር ዳይሬክቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማ.ል.ት ኣይተ ንጉስ ከበዶም ብወገኖም፦ ’’ፕሮጀክት ምምዕባል ክእለት ምንባብ ብቑልዕነት ዛጊድ ዘይነዓቕ ስራሕቲ ከምዝወገነን ብቐፃልነት ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕን ብምግላፅ፣ ሰልጠንቲ’’ ዝረኸብኩሙዎ ፍልጠት ብምስፋሕ ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ተራ ክትፃወቱ ይግባእ ክብሉ ተላብዬም፡፡

 

እቲ ስልጠና ኣብ ተኸታታሊ ተፍትሽ (ምዘና) ተምሃሮ፣ ኣብ ኣገባብ ሜላ ኣመሃህራን ምብቕቓዕን ጠሚቱ ዛጊድ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ኣብ ዝርከባ 337 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝርከቡ 1,230 ሰልጠንቲ ከምዝተውሃበ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

Click Here ti see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms