Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 136 guests and no members online

እታ ውዳበ ምስ ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ኦፍላን ዩኒቨርሲቲ መቐለን ብምትሕብባር ብ1.6 ሚልዮን ብር ወፃኢ ኣብ ጣቢያ ሓሸንገ ከባቢ ምፍሳስ ባሕሪ ንእተህንፆ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ህንፀቱ ዘበስር እምነ ሰረት ዘንበረት ዕለት 06 ጥሪ 2007 ዓ.ም እዩ።

ነቲ እምነ ሰረት ዘንበሩ ተወከልቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ምምሕዳር ወረዳ ኦፍላን ብሓባር እዮም።

ኣቦ መንበር ቦርድ ማ.ል.ትን ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ መቐለን ዶ/ር ህንደያ ገ/ህይወት “ንዕቤት ማሕበረ ሰብ ትምህርቲ ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር፣ ፀገም ከባቢኹም ተገንዚብና ኣብ ንሃንፆ ቤት ትምህርቲ ደቅኹም ብኣግባቡ ክተምህሩ ሓደራ እብል ኢሎም።”

ኣብ ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ሰረት ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ፦ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ህዝባን ብዝገብረላ ደገፍ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ኩለን ወረዳታትን ቁሸታትን ትግራይ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክስፋሕፋሕ ኣብ ምግባር ልዑል እጃም ብምፅዋታ ሎሚ ኣብ ክልልና ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ተምሃራይ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ምርካቡ ልዑል ዓወት ምዃኑ ብምሕባር፣ ኩልና ተሓባቢርና ደቅና ብኣግባቡ እንድሕር ኣምሂርናን ሓጊዝናን ካብ ንባዕላቶም ሓሊፎም ንህዝቦምን ሃገሮምን ከምዝጠቕሙ ኣይጠራጠርን ድሕሪ ምባልን፣ ንብልፅቲ ውዳበ ማልት ጨንፈር ጀርመን ዘለዎም ናእዳ ብምግላፅ፣ ካልኦት ጨናፍር ማልት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ኣሰራ ስዒቦም ንማልት ከጠናኽሩ ተላብዮም።”

ኣብ ወፃኢ ንነብር ደቂ ዓድኹም፣ ዕሸላት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዳስ ካብ ምምሃር ተገላጊሎም ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘሐጉሰና ነገር ስለዘየለ ቤት ትምህርቲ ክንሃንፅ ብምኽኣልና ኣዚና ሕጉሳት ኢና ዝበሉ ኣቦ መንበር ውዳበ ማልት ጨንፈር ጀርመን ኣይተ ሰለሙን ኣሰፋ፦ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ጀርመን ኣብ ዘካየድናዮ ጉባኤ ጨንፈርና ፀገም ቤት ትምህርቲ ከባቢ ምፍሳስ ባሕሪ ኣልዒልና ብምዝታይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ካብ ኣባላትናን ደገፍትናን 23 ሽሕ ዩሮ ክነተኣኻኽብ ብምኽኣልና ኢና ሎምዓንቲ ህንፀት ቤት ትምህርትኹም ዘበስር እምነ ሰረት ክነንብር በቂዕና ዘለና ኢሎም።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኦፍላ ኣይተ ኣፈወርቂ ረዳ ብወገኖም ኣብ ዘስምዑዎ መደረ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናይ ባዕልና ውዳበን ትካልን‘ያ ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ወረዳና ካብ ዝርከባ ልዕሊ 69 ኣብያተ ትምህርቲ እተን 28 ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ምህናፀን ብምዝኽኻር፣ ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ንገብሮ ምንቅስቓስ ተራ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣዝዩ ልዑል’ዩ” ኢሎም።

ንመቐለ ዩኒቨርሲቲ ወኪሎም ዝተረኸቡ ዶ/ር ሎኮ ኣብርሃም ድማ “ዩኒቨርሲቲ መቐለ ካብ ሙያዊ ደገፍ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ናውቲ ትምህርቲ ክሳብ ምምላእ ከምዝሕግዝ ቃል ኣትዮም።”

ኣብቲ ምንባር እምነ ሰረት ዝተረኸቡ ወለዲ’ውን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዕሸላት ደቅና ካብ ዳስ፣ ፀሓይ፣ ንፋስን ቁርን ተገላጊሎም ኣብ ቀረብኦም ክመሃሩ ዘኽእሎም ዘበናዊ ህንፃ ንምህናፅ እምነ ሰረት ብምንባራ ልዑል ታሕጓስ ከምዝተሰምዖም ገሊፆም።

ኣብ ወረዳ ኦፍላ ልዕሊ 69 ኣብያተ ትምህርትን ልዕሊ 29 ሽሕ ተምሃሮን ከምዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ‘ሎ።

 Click Here to see photos...

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms