Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 48 guests and no members online

ነዚ ዝሓበሩ ዕለት 22 ታሕሳስ 2007 ዓ.ም “ምዕባይ ክእለት ንባብ ብቑልዕነት ንዝተመሓየሸ ህይወት” ብዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ኣብ ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ገባር ሆቴል ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ልዕሊ ሓደ ሚእትን ሓምሳን ተሳተፍቲ ’ዮም።

ኣብቲ ኣማኸርቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባታት፣ ኣቦ መናብር ማሕበር መምህራን፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ትምህርትን ስፐርቫይዘራትን ዕስራ ወረዳታትን ኣብ ፕሮጀክት ምንባብ ብቑልዕነት ዝተሓቖፉ ኣርባዓ ክላስተር ሱፐርቫይዘራትን ዝተሳተፉሉ መድረኽ ዘተ ብመደረ ዝኸፈቱ ኣማኻሪ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ እልፍዮስ ታደሰ ’ዮም።

ኣይተ እልፍዮስ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብዋናነት ፅርየት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዓሊማ ዘተኣታተወቶ ፕሮጀክት ምምዕባል ክእለት ንባብ ብቑልዕነት፣ ሙያዊ ዓቕሚ መምህራንን መዳርግቲ ኣካላትን ንምዕባይ ኣብ ማእኸል ዞባና ዘዳለወቶ መድረኽ ዘተ ኣዝዩ ዝተባባዕን ቡዙሕ ቁምነገር ዘስንቕን ስለዝኾነ ኩልና ተሳተፍቲ’ዚ ዘተ ንተግባራውነቱ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሎም።

ፀብፃብ ስራሕ ሕሉፍ ዓመትን ትልሚ ቀፃሊ ዓመትን ፕሮጀክት ምምዕባል ክእለት ንባብ ብቑልዕነት ዘቕረቡ ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉሰ ከበዶም ብወገኖም “ዛጊድ በዚ ፕሮጀክት ክሰርሑ ዝግበኦም ካብ ስልጠናታት ምሃብን ማንዋል ምድላውን ጀሚሩ ክሳብ ስራሕቲ ሕትመት ፖስተር፣ ፍሌሽ ካርድ፣ ሓገዝቲ መፃሕፍትን ዝኣመሰሉን ሰረት ዘንፅፉ ቡዙሓት ስራሕቲ ምውጋኖምን ኣብ 20 ወረዳታት ኣብ ዝርከባ 337 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብልዕሊ ሰለስተ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ብር 1,348 ማእኸላት ንባብ ንምጥያሽ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።”

ኣይተ ንጉሰ ኣተሓሒዞም! ፕሮጀክት ምምዕባል ክእለት ንባብ ብቑልዕነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ሕሉፍ ሓደ ዓመት ዝወገኖም ስራሕቲ ብሉፃት ምንባሮም ብUSAID ኣፍልጦ ከምዝተውሃቦን ሽልማት መኪና ንክወሃቦ ቃል ከም ዝተኣተወሉን ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ቴክኒካል ማናጀር ፕሮጀክት ምምዕባል ክእለት ንባብ ብቑልዕነት        ኣይተ ፍቕረ ኣለምሰገድ ኣብ ኣድላይነትን ዓይነታትን ስልጠና ዝጠመተ መብርሂ ዝሃቡ እንትኾን፣ ተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ኣቕሪቦም’ዮም።

 

ፕሮጀክት ምምዕባል ክእለት ንባብ ብቑልዕነት ኣብ 20 ወረዳታት ትግራይ ኣብ ዝርከባ 337 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝነጥፍ ብ USAID ዝሕገዝን ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝቖመን ፕሮጀክት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምዃኑ ዝዝከር’ዩ።

Click here to see more photos... 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms