Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 42 guests and no members online

 እቲ ካብ ዕለት 13-15 ታሕሳስ 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማታት ዓድዋን ዓብዪ ዓድን ዝተውሃበ መተባብዒ ሽልማት፣ ኣብ 2006 ዓ.ም ሃገራዊ ፈተና ዓሽራይ ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ ወረዳታት ኣሕፈሮም፣ ወርዒ ለኸ፣ ገጠርን ከተማን ዓድዋ፣ ቆላ ተምቤን፣ ከተማ ዓብዪ ዓድን ጣንቋ ኣበርገለን ‘ዩ።

ኣብ ክልቲኤን ከተማታት ዞባ ማእኸል ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማት ተረኺቦም ሽልማት ብምሃብ መደረ ዘስምዑ ተወካሊ ምምሕዳር ዞባ ማእኸል ኣይተ ግደይ በርሀን ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ኣይተ ኣክሊሉ ብርሃነን፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብኹሉ መዳይ ዝለምዐት ትግራይ ንምርኣይ ዓሊማ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ መዳርግቲ ዘይርከቦ ሰናይ ተግባር ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ፣ ተምሃሮ እተን ከባብታት ራእይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምስኻዕ በርቲዖም ክመሃሩን ልዑል ውፅኢት ከመዝግቡን ብምትሕስሳብ ንማልት ዘለዎም ክብርን ናእዳን ብሽም ተምሃሮን ምምሕዳሮምን ገሊፆም።

ላዕለዋይ ክኢላ ትልምን በጀትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ካልኣዩ ወልደገብርኤል ብወገኖም፦ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝበቕዐ መንእሰይ ክህሉ ኣብ መንጎ ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ንሕንሕ ብምፍጣር ብሉፃት ተምሃሮ ንምስሳን ከባቢ ሓደ ሚልዮን ብር በጀት መዲባ ብደረጃ ትግራይ 1263 ተምሃሮ ናይ ምትብባዕ መድረኽ ከምዘዳለወትን ብቐፃልነት ከምተተባብዕን ብምሕባር፣ ተምሃሮ ኣሰር ማልት ስዒቦም በቢዝኸኣልዎ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምጥንኻር ክፅዕሩ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ሽልማት 4 ነጥቢ ንዘምፅኡ ደቂ ተባዕትዮን 3.86ን ልዕሊኡን ነጥቢ ንዘመዝገባ ደቂ ኣንስትዮን ዝተውሃበ እንትኾን፣ ካብተን ከተማታት ወፃኢ ንዝመፁ ሕድ ሕዶም 600 ብር ኣብተን ከተማታት ንዝርከቡ ድማ 500 ብር ምስ ወረቐት ምስክር ’ዩ።

 

ተሸለምቲ ተምሃሮ ንጥፈታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣፀቢቖም ከምዝፈልጡዎ ብምሕባር ሀዚ ናብ ተምሃሮ ወሪዳ ትገብሮ ዘላ ሰናይ ተግባር ልዑል ታሕጓስ ከምዝፈጠረሎምን በርቲዖም ንክመሃሩን ንከፅንዑን ሕድሪ ከምዘሸከሞምን ገሊፆም።

  Click Here to see more photos ...

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms