Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 124 guests and no members online

ነዚ ዝሓበሩ ኣብ ብሪትሽ ካውንስል ኣካያዲ ስራሕ ፕሮግራም ሓገዝ ስቪል ማሕበራት (Civil Society Support Program - CSSP) ጨንፈር ሰሜን ኢትዮዽያ ኣይተ መሓመድ ከበደ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝትግበረሉ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ዕለት 27 ሕዳር 2007 ተዘዋዊሮም ዑደት ስራሕ ድሕሪ ምክያድ ኣብዝሃቡዎ ርኢቶ እዩ፡፡

እዚ ፕሮግራም ኣይርሽ ኤይድ ብዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ምስ ካልኦት ኣካላት ብምትሕብባርን ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ብር በጀትን ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ንዝርከቡ ከባቢ 300 ፅጉማት ዝሕግዝ ኮይኑ ብላዕለዋይነት ብሪትሽ ካውንስል ዝመሓደርን ብሓልዮት ማልት ዝትግበርን'ዩ።

ዕላማ'ዚ ፕሮግራም ብዋናነት ድኽነት ምንካይን ሰናይ ምምሕዳር ምርግጋፅን ኮይኑ ንወለዲ ኣልባን ንሓደጋ ዝተቓልዑን ህፃናት፣ ንምስማዕ ዝተስኣኖም፣ ዝሕታለ ኣእምሮ ንዘለዎም፣ ተጠቃዕቲ ስጋ ደዌ ንዝኾኑን ዝተፈላለዬ ጉድኣት ኣካል ንዘለዎምን ወገናት ጠሚቱ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ርእሲ ምሃቡ፣ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስልጠና፣ ምኽርን ብምሃብ እቶቶም ከደንፍዑን ርእሶም ክኽእሉን ምግባር'ዩ።

ነቲ ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ወጀራት ብመንገዲ ሲቪል ማሕበራት ክሪታስ ኢትዮዽያ፣ ምስማዕ ዝተስኣኖም ጨንፈር ትግራይ፣ ወገን ንወገን፣ ዕብየት ውሱንነት ኣእምሮን ተጠቃዕቲ ስጋ ደዌን ኣቢሉ ዝትግበር ፕሮግራም ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡን ዝተዛተዩን ኣይተ መሓመድ፣ ንተጠቀምቲ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ “ ገበርቲ ሰናይ ብዋናነት ክገብርኦ ዝኽእላ መበገሲ ሓገዝ ገንዘብን ስልጠናን ጥራሕ'ዩ ነቲ ስራሕን ሞያ ብምምላኽን ብምስፋሕን ካብ ተጠዋርነት ተናጊፍኩም ርእስኹም ክትኽእሉ ይግባእ” ድሕሪ ምባል በቲ ስራሕ ከምዝዓገቡ ሓቢሮም።

ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉሰ ከበዶም ብወገኖም፦ ተሓገዝትን ሰልጠንትን የርእዩዎ ንዘለዉ ምምሕያሽ ድሕሪ ምንኣድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ትገብሮ ሓገዝ ካባኹም ናባኹም ስለዝኾነ ኣብ ጎና ክትስለፉን ክትከናኸኑዋን ይግባእ ኢሎም።

 

ተሓገዝቲ ሰልጠንቲ ብወገኖም፣ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣቢሉ ይግበረሎም ንዘሎ ኩለ መዳይ ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡

Click here to see more photos... 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms