Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 81 guests and no members online

ዕለት 14 ሕዳር 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ሽልማት ዝተሸለሙ፣ ካብ ዕስራን ክልተን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ መቐለ ኣብ 2006 ዓ.ም ሃገራዊ ፈተና ዓሽራይ ክፍሊ ካብ 3.86-4.00 ነጥቢ ዘመዝገቡ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሸሞንተን ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ሚእትን ዕስራን ትሽዓተን ደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮን፣ ሰለስተ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን እዮም፡፡

ኣብቲ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተዳለወ መድረኽ ሽልማት ተረኺቦም ንሕድ ሕድ ተምሃሮ ሓሙሽተ ሚእቲ ብር ምስ ወረቐት ምስክር ከምኡውን ካብ 1-3 ንዝወፃ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ላፕቶፕ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ዝሸለሙ ተወከልቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ክፍሊ ትምህርቲ ዞባ መቐለን ክፍላተ ከተማን 'ዮም፡፡

ኣብ መድረኽ መተባብዒ ሽልማት ተረኺቦም ሽልማት ዝሃቡ ዳይረክተር ዳይረክቶሬት ትልሚ፣ ፕሮግራምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ንጉሰ ከበዶም ኣብዘስምዑዎ መደረ፡- "ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ዕድሚኣ ብፍላይ ኣብ ዝርገሐን ሽፋንን ትምህርቲ ዘይነዓቑ ስራሕቲ ምስራሓን ብዋናነት ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዓሊማ ኣብ ክልልና ዝርከባ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብምትብባዕ ኣቢላ ኣብ ፅርየት ትምህርቲ ክልልና ርኡይ ለውጢ ንምምዝጋብ ከባቢ ሓደ ሚልዮን ብር በጀት መዲባ ኣብ መላእ ትግራይ ንዝርከቡ ሓደ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሸሞንተን ተምሃሮን ዕስራን ሓደን ኣብያተ ትምህርትን ብምሽላም ኣቢላ ጀሚራቶ ዘላ ስራሕቲ ምትብባዕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቢሮም፡፡" 

ኣይተ ንጉሰ ኣተሓሒዞም ኣብ ዘስምዑዎ መደረ "ፅርየት ትምህርቲ ዝረጋገፅ ብዝተዋደደ ፃዕሪ ተምሃሮ፣ መምህራን ወለድን ኣብያተ ትምህርትን ስለዝኾነ ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዘድሊ ብምትሕስሳብ፣ ብፍላይ ተምሃሮ መቐለ፣ ካብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ኣብ ዝሓሸ ሃዋሁ ስለትርከቡ ዝያዳ ክትነጥፉን ልዑል ውፅኢት ክተመዝግቡን ይላወበኩም ኢሎም፡፡"

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ክፍሊ ትምህርቲ ዞባ መቐለ ኣይተ ፍስሃ ታደሰ ብወገኖም ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፡- "ፅርየት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅ ቁፅሪ ሓደ ተዋሳእቲ ተምሃሮ ባዕልኹም ስለዝኾንኩም ልዑል ውፅኢት ብምምዝጋብ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣቲኹም ተነሓናሕትን ብሉፃትን ብምዃን ክልልኩም ክተፀውዑ ይግባእ ድሕሪ ምባል፣ ፅባሕ ከም ክልል ምስ ኣብ ሃገርና ዝርከባ ክልላት ተወዳደርቲ ኮይንና ክንወፅእ እንተኾይንና ተምሃሮና ትገብሩዎ ናይ ውድድርን ምህዞን ኩነት ወሳኒ 'ዩ" ኢሎም፡፡

ኣይተ ፍስሃ ኣተሓሒዞም "እዚ ሀዚ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ትህቦ ዘላ ሽልማት መበል ኣርባዓ ዓመት ልደት ህወሓት ብዝለዓለ ድምቀት ንምኽባር ኣብንሸባሸበሉ እዋንን ናብዚ ሀዚ ንርከበሉ ሰላማዊ ኩነታት ንክንበፅሕ መስዋእቲ ናይ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ኣያታትና ተሞክሮኦም ንሰንቀሉን ንዝክረሉን እዋን ስለዝኾነ ፍሉይ ይገብሮ" ብምባል "ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንረብሓ ኩላትና ጠጠው ዝበለት ምዃና ተገንዚብና ኣባላታ ብምዃን ግቡእና ክንፍፅም ይግባእ" ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ መተባብዒ ሽልማት ቀዳመይቲ ዝወፀት ቃላሚኖ ፍሉይ 2 ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ሓዳሽ ላፕቶፕ፣ ካልአይቲ ዝወፀት ኤስ ኦ ኤስ ካልኣይ ብርኪ ዓሰርተ ሽሕ ብር፣ ሳልሰይቲ ኮይና ዝተዓወተት መርሲ ቑፅሪ1 ሓሙሽተ ሽሕ ብር ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተሸለማ እንትኾን፣ ተሸለምቲ ተምሃሮ ማ.ል.ት ንዝሃበቶም መተባብዒ ሽልማት ብምንኣድ ዝያዳ ውፅኢት ንምምዝጋብ ከምዘለዓዓሎም ገሊፆም፡፡

 

ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተዳለወ መተባብዒ ሽልማት ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ካብ 07-14 ሕዳር 2007 ዓ.ም ምክያዱ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

Click here to see more photos...

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms