Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 120 guests and no members online

ኣብ ሃገራዊ ፈተና ዓሽራይ ክፍሊ ዝለዓለ ውፅኢት ዘመዝገቡ ተምሃሮ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ንምሽላም 12 ሕዳር 2007ዓም ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ተረኺቦም ነዚ ዝበሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት እቲ ዞባ ኣይተ ጎይትኦም ገብሩ እንትኾኑ፣ ሽልማት ንዝተውሃቦም ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም፡፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ነዚ ልዑል ወፃኢ ዝጠልብ ስራሕ ንምስራሕን መንግስቲ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ንምድጋፍን ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ጎይትኦም፣ ተሸለምቲ ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ብዝረኸብዎ ሽልማት ከይተኹራዕርዑ ንቐፃሊ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ፀዊዖም፡፡

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ህንፀት ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕና፣ ምምላእ ናውቲ፣ ጥዕናን ካልኦትን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝሰርሐትን ሐዚ ድማ ንፅሬት ትምህርቲ ትኹረት ሂባ ትሰርሕ ምህላዋን ኣብቲ ስነ - ስርዓት ዝተረኸቡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ኣይተ ወ/ስላሴ ረታ ሓቢሮም፡፡

ማልት ኣብ ሃገራዊ ፈተናታት ልዑል ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ንምሽላም እንትትሓስብ፣ ኣብ መንጎ ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ንሕንሕ ተፈጢሩ ብዙሓት ንፉዓት ተምሃሮ ንምፍራይ ብምዕላም’ዩ ዝበሉ ኣይተ ወ/ስላሴ፣ ኣንቱም ሎሚ ትሽለሙ ዘለኹም ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ንመፃኢ ዝሓሸ ስራሕ ሰሪሕኹም ክልልኩምን ሃገርኩምን ክተፅውዑ ይግባእ ክብሉ ተላቢዎም፡፡ 3.86ን ልዕሊኡን ነጥቢ ዘምፅኣ ደቂ ኣንስትዮን 4.00 ነጥቢ ዘምፅኡ ደቂ ተባዕትዮን ከምዝሽለሙ ዝሓበሩ ኣይተ ወ/ስላሴ፣ ካብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ንዝመፁ ብር 500.00፣ ካብ ካልኦት ወረዳታት ሰሜን ምዕራብ ንዝመፁ ብር 600.00፣ ብበዝሒ ዘሸለምኦም ተምሃሮ ብሚኢታዊ እንትነፃፀር ቀዳመይቲ ንዝወፀት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ላፕቶፕ ኮምፒተር፣ ካልኣይቲ ንዘወፀት ብር 10,000.00ን ሳልሰይቲ ንዝወፀት ድማ ብር 5,000.00 ሽልማት ከምዝተዳለወ ገሊፆም፡፡

ብመሰረት’ዚ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዘለዋ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ 16 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 91 ተምሃሮ ካብ ኢድ አማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ እልፍዮስ ታደሰ ተቐቢሎም፡፡ እዙይ ከምዙይ እንዳሃለወ ብበዝሒ ዘሸለምኦም ተምሃሮ ብሚኢታዊ እንትነፃፀር፣ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፍረ ስውኣት፣ ዓዲ ዳዕሮን እንዳባጉናን ዝተዳለወለን ሽልማት ካብ ኢድ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣይተ ጎይትኦም ገብሩ ተረኪበን፡፡

 

ኣብቲ ስነ - ስርዓት ሽልማት ረኺብና ዘዘራረብናዮም ተምሃሮ ዮርዳኖስ ዮውሃንስ ካብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሸራሮን ሽፈራው ተመስገን ካብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፍረ ስወኣት ሽረን ኣባላት ማልት ከምዝኾኑ ድሕሪ ምሕባር፣ ብዝተውሃቦም ሽልማት ኣዝዮም ከምዝተሓጎሱን ንቐፃሊ ካብዚ ብዝበለፀ ከምዝሰርሑን ገሊፆም፡፡

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms