Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 52 guests and no members online

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሚኪኤለ ኣብርሃ ነዚ ዝበሉ፣ 11 ሕዳር 2007ዓም ኣብ ሃገራዊ ፈተና ዓሽራይ ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘምፅኡ ተምሃሮ ኣብ ዝሸለምሉ እዋን ’ዮ፡፡ ንጡፍ ተምሃራይ፣ መምህርን ኣመራርሓን እንተልዩ ሃገርና ትደልዮ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ግዘ ኣይወስድን ዝበሉ ኣይተ ሚኪኤለ፣ ኩሎም ተሸለምቲ ተምሃሮን መምህራንን ኣብ ዝቕፅል ዘበን ትምህርቲ ሒዞምዎ ዘለው ናህሪ ዓቂቦም ዝለዓለ ስራሕ ክሰርሑ ፀዊዖም፡፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዘፈር ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ድልዱል ሰረት ንምንባር ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ኣሐይላ ክትቅፅለሉ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ሚኪኤለ፣ ነዞም ስራሕቲ ክትውግን ድማ ኩላትና ኣባላት ብምዃን እቶታ ክነደንፍዕ ይግባእ ክብሉ ፀዊዖም፡፡

ኣብቲ ስነ - ስርዓት ሽልማት ንማልት ብምውካል ሓፈሻዊ ዕላማ እቲ መደብ ዘብርሁ ድማ ላዕለዋይ ክኢላ ትልምን በጀትን ማልት ኣይተ ካልኣዩ ወ/ገብርኤል’ዮም፡፡ ማልት ኣብ 1990ታት ልዑል ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮ እንዳሸለመት ከምዝነበረት ዘዘኻኸሩ ኣይተ ካልኣዩ፣ ብሕፅረት ፋይናንስን ካልኦት ምኽንያታትን ተቛሪፁ ድሕሪ ምፅንሑ፣ ሐዚ ከምብሓዱሽ ምጅማሩ ገሊፆም፡፡ ኣይተ ካልኣዩ ኣተሓሒዞም ኣብ ዘበን ትምህርቲ 2006ዓም 3.86 ነጥብን ልዕሊኡን ዘምፀኣ ደቂ ኣንስትዮን 4.00 ነጥቢ ዘምፅኡ ደቂ ተባዕትዮን ተምሃሮ ከምዝሽለሙ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብሚኢታዊ ተነፃፂሩ በዝሒ ተምሃሮ ዘሸለማ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ኣካል እቲ ሽልማት ከምዝኾና ሓቢሮም፡፡ ብመሰረት’ዚ ካብ ከተማ ኣኽሱም ንዝመፁ ተምሃሮ ብር 500.00 ካብ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ማእኸል ንዝመፁ ድማ ብር 600.00 ክሽለሙ’ዮም ዝበሉ  ኣይተ ካልኣዩ፣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዝወፃ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ሽልማት ላፕቶፕ ኮምፒተር፣ 10,000.00 ብርን 5,000.00ብርን ከምዝብርከተለን ኣብሪሆም፡፡

ዞባ ማእኸል ትግራይ ብዙሕ ተምሃሮ ከምዘለዎ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ካልኣዩ፣ ኣብዚ መደብ 305 ተምሃሮ ንሽልማት ተመልሚሎም ከምዘለው ሓቢሮም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኪዳነ ምህረት ቀዳመይቲ ኮይና ብምዕዋታ ሽልማት ላፕቶፕ ኮምፒተር ክብርከተላ’ዩ ዝበሉ ኣይተ ካልኣዩ፣ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣግበን መዝብር ፍትዊ ወልዳይን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይነን ብምዕዋተን 10,000.00 ብርን 5,000.00 ብርን ከምዝሽለማ ገሊፆም፡፡

ተሸለምቲ ተምሃሮ ክላስተር ኣክሱም ዝተዳለወሎም ሽልማት ካብ ኢድ ወናኒ ከይዲ ስራሕ ስርዓተ - ትምህርቲ ትግራይ ኣይተ ባህታ ወ/ሚካኤል ዝተረከቡ እንትኾኑ፣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወፃ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ካብ ኢድ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣይተ ሚኪኤለ ኣብርሃ ተረኪበን፡

 

ኣብቲ ስነ - ስርዓት ሽልማት ዘዘራረብናዮም ተሸለምቲ ተምሃሮ ኣክሊሉ ግደይን ሜሮን ሃገረሰላምን ከምዝበልዎ፣ ማልት ኣብ ዝሃነፀተን ኣብያተ ትምህርቲ ተማሂርና፣ ልዑል ውፅኢት ኣምፂእናን ብማልት ተሸሊምናን ኣለና፡፡ እዙይ ንቐፃሊ ኣበርቲዕና ክንሰርሕን ኣብ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝለዓለ ውፅኢት ኣምፂእና ናብ ዩንቨርስታት ክንኣቱ ክሕግዘናን ከተባበዐናን’ዩ ድሕሪ ምባል ንማልት ዘለዎም ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms