Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 168

Who's Online

We have 32 guests and no members online

10 ሕዳር 2007ዓም ኣብ ሃገራዊ ፈተና ዓሽራይ ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ንዘምፅኡ ተምሃሮ ንምሽላም፣ ኣብ ከተማ ሑመራ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ተረኺቦም ነዚ ዝበሉ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ኣይተ ፍስሃ በርሀ እንትኾኑ፣ ማልት ካብ ትጣየሽ ጀሚሩ ሓደሽቲ ሓሳባት ብምትእትታው፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገም ንምፍታሕ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ኣዝዩ ዝንኣድ’ዩ ክብሉ ነታ ማሕበር ዘለዎም ኣድናቖት ገሊፆም፡፡ ኣይተ ፍስሃ ኣተሓሒዞም ማልት ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ወፂኣ፣ ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ትሰርሕ ዘላ ትካል’ያ ምስበሉ፣ ነዛ ማሕበር ንምጥንኻር ኩሉ ነባራይ ሕብረተሰብ ዞባ ምዕራብ ኣባል ብምዃን ኣብ ጎና ደው ክብልን ስራሕታ ክድግፍን ፀዊዖም፡፡ ማልት ካብ ትምህርቲ ክሳብ ጥዕና ኢሉ’ውን መጓዓዝያ ዝዓመመቶምን ትዓሞም ዘላን ስራሕቲ ኣዝዮም ዝነኣዱ’ዮም ዝበሉ ኣይተ ፍስሃ፣ ሐዚ’ውን ኣብ መንጎ ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ንሕንሕ ንምፍጣር ጀሚራቶ ዘላ መደብ ኩላትና ክንድግፎ ይግባእ ክብሉ ተላቢዎም፡፡

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2006ዓም ኣብ ሃገራዊ ፈተና ዓሽራይ ክፍሊ 3.86 ነጥብን ልዕሊኡን ዘምፀኣ ደቂ ኣንሰትዮን 4.00 ነጥቢ ዘምፅኡ ደቂ ተባዕትዮን ተምሃሮ ንምሽላም መደብ እንትሕዝ ዓብይ ወፃኢ ዋላኳ ከምዝሓታ እንተፈለጠት፣ እቲ መተባብዒ ፅሬት ትምህርቲ ክልልና ንምምሕያሽ ዘለዎ ኣበርክቶ ኣብ ግምት ብምእታው ክትውግኖ መሪፃ’ያ ዝበሉ ድማ ላዕለዋይ ክኢላ ትልምን በጀትን ማልት ኣይተ ካልኣዩ ወ/ገብርኤል’ዮም፡፡ ካብ ከተማ ሑመራ ንዝመፁ ተምሃሮ ብር 500.00፣ ካብ ካልኦት ከባቢታት ዞባ ምዕራብ ንዝመፁ ድማ ብር 600.00፣ ብዘሸለመኦም ተምሃሮ በዝሒ ብምኢታዊ እንትነፃፀር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ንዝወፃ ኣብያተ ትምህርቲ ላፕቶፕ ኮምፒተር፣ 10,000.00 ብርን 5,000.00 ብርን ከምዝሽለሙ ዝገለፁ ኣይተ ካልኣዩ፣ እዚ ሽልማት ኣብ መንጎ ተሸለምትን ዘይተሸለሙን ዓብይ ንሕንሕ ብምፍጣር፣ ኣብ ቀፃላይ ዓመት ዝሓሸ ስራሕ ክሰርሑ ከላዓዕሎም’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ወሲኾም ሓቢሮም፡፡

ማልት ተበፃሕነትን ፍትሓውነትን ትምህርቲ ክልልና ንምምሕያሽ እንዳሰርሐት ከምዝመፀትን ሀዚ'ውን ትሰርሕ ከም ዘላን ዝሓበሩ ድማ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ማልት ኣይተ ወ/ስላሴ ረታ’ዮም፡፡ ኣይተ ወ/ስላሴ ኣብ ዘረበኦም፣ ኩሎም ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ብብርኪ ስድራ፣ ውልቀን ትካላዊ ኣባልነትን ኣብ ጎኒ ማልት ብምስላፍ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ፀዊዖም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ተሸለምቲ ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ብወገኖም፣ ማልት መተባብዒ ሽልማት ክወሃበና ብምግባራ ኣዚና ኢና ነመስግን ድሕሪ ምባል፣ ንቐፃሊ ካብቲ ሐዚ ሰሪሕናዮ ዘለና ብዝተዓፃፀፈ መልክዑ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ቃል ኣትዮም፡፡

ኣብቲ ሽልማት ስነ - ስርዓት 7 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 35 ተምሃሮ፣ ካብ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ኢሳያስ ---- ዝተዳለወሎም ሽልማት ዝወሰዱ እንትኾኑ፣ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ንጉስ፣ ማይ ካድራን ዳንሻን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውፃእ ዝተዳለወለን ሽልማት ካብ ኢድ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ፍስሃ በርሀ ከምዝወሰዳ ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ፡፡

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms