Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 140 guests and no members online

 

 

 

እቲ ኣብ መንጎ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ትምህርታዊ ንሕንሕ ብምፍጣር፣ ዝለዓለ ውፅኢት ዘመዝግቡ ተምሃሮ ክስስኑ ንምግባር ዝዓለመ ሽልማት፣ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣብ ዝርከባ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ 2006ዓ.ም ዓሽራይ ክፍሊ ብሄራዊ ፈተና ወሲዶም ካብ 3.86-4.00 ነጥቢ ንዘመዝገቡ ሓደ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሸሞንተን ተምሃሮን ዕስራን ሓደን ብሉፃት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ዝተውሃበ 'ዩ፡፡

ዕለት 11 ሕዳር 2007 ዓ.ም ኣብ ዞባ ምብራቕ ከተማ ዓዲግራት ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማት፣ ኣብታ ዞባ ካብ ዝርከባ ዕስራን ሸውዓተን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ልዑል ውፅኢት ዘመዝገቡ ሓደ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን ተምሃሮ፣ ብነፍሲ ወከፍ ካብ 500-600 ብር ምስ ወረቐት ምስክር ዝተሸለሙ እንትኾን፣ ካብታ ዞባ ሰለስተ ብሉፃት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝኾና ንፅንስታ ካልኣይ ብርኪ ሓደ ላፕቶፕ፣ ንሓይቂ መስሓል ካልኣይ ብርኪ ዓሰርተ ሽሕ ብር፣ ንውቕሮ ካልኣይ ብርኪ ድማ ሓሙሽተ ሽሕ ብር መተባብዒ ሽልማት ተሸሊመን፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ተረኺቦም ንተምሃሮ ዝተዳለወ ሽልማት ዝሃቡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ማሞ ገ/ሄር እንትኾኑ፣ ንተዓወትቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሸለሙ ድማ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልልናን ኣባል ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ኣይተ ጎበዛይ ወልደኣረጋይ እዮም፡፡

ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምውካል ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ኣይተ ተስፋይ ናስር፦''ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ መንጎ ተምሃሮ ንሕንሕ ብምፍጣር ምሁር ሕ/ሰብ ንክህሉ ዓሊማ በቢዓመቱ ትገብሮ ዝነበረት መተባብዒ ሽልማት ንዝተወሰኑ ዓመታት ኣቋሪፃቶ'ኳ እንተነበረት፣ ካብ ሎምዘበን ጀሚሩ በብዓመቱ ምትብባዕ ከምትቕፅለሉ ብምሕባር፣ ተምሃሮ በርቲዖም ክመሃሩን ሓበን ህዝብን ሃገርን ክኾኑ ብምትሕስሳብ ንኹሎም ተሸለምቲ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተምሃሮን ካብ 1ይ-3ይ ንዝወፃ ኣብያተ ትምህርትን እንኳዕ ኣሓጎሰኩም ኢሎም፡፡''

ኣይተ ጎበዛይ ወልደኣረጋይ ድማ ''ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዛጊድ ንህዝብን ሃገርን ዘሐብኑ ስራሕቲ ልምዓት እናሰርሐት ምምፅኣን ብፍላይ ንዘፈር ትምህርቲ ልዑል ጠመተ ሂባ ከምትንቀሳቐስን ብምግላፅ፣ ፅሬት ትምህርቲ ክመሓየሽ ትገብሮ ንዘላ ሰናይ ተግባር ብስም ተሸለምቲ ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ብምምስጋን ኩሉ ኣብ ጎኒ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተወዲቡ ነታ ማሕበር ከጠናኽራ ፀዊዖም፡፡''

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሎም ዘበን ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ንዝሽለሙ ንፉዓት ተምሃሮን ኣብያተ ትምህርትን ከባቢ ሓደ ሚልዮን ብር ወፃኢ ከምዝገበረት ተፈሊጡ'ሎ፡፡

Click here to see more photos...

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms