Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 78 guests and no members online

14 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣኸሱም ንዘተኣከቡ ኣመራርሓ ኣካላት ዞባ ማእኸል ተረኺቦም መደረ ዘሰምዑ ፈፃሚ ዳይሬከተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ወረዳታት ትግራይ ተሳልጦም ስራሕቲ ልምዓት ብዋናነት ህዝብን በቢደረጀኡ ዝርከብ አመራርሓን ሒዛ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፣ ኣብ ዞባ ማእኸል ካብ ዝርከባ ወረዳታት ብአፈፃፅማ መደባት ማ.ል.ት ቀዳመይቲ ኮይና ዝተዓወተት ከተማ ዓብዩ ዓዲ ሓንቲ ላፕቶፕ ፣ ካልኣይቲ ዝኾነት ወረዳ ኣሕፈሮም ድማ ዓብይ ፎቶ ፍሬም ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ከምዝሸለማን ካብ ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ክወስዳን ሓቢሮም፡፡

ክልቲኤን ወረዳታት ንሸልማት ዝበቕዓ ኣካላት ኣመራርሓ እታ ዞባ ካብ ጣብያ ክሳብ ዞባ ኣብ ዝተዋቐረ ቦርድ ማ.ል.ት ተመሪፆም ብዝገበርዎ ኣሰተዋፅኦ፣ ኣብ ኣወሳስና ክፍሊት መሃያ ተኸፈልቲ ሰራሕተኛታት ብዝገበርኦ ንጥፈት፣ ኣባላት ንምፍራይን ንምስሳንን ብዘካየድኦ ፃዕርን ምዃኑ ዶ/ር ታደለ ሓቢሮም::

ሓረስቶትን ተምሃሮን ኣባላት ማ.ል.ት ንክኾኑ በርቲዕካ ኣብ ምምልማልን ምውዳብን ቡዙሕ ከምዘይተሰርሑሉ ዝሓበሩ ደ/ር ታደለ ብፍላይ ሕድ ሕድ ተምሃራይ ኣባል ማ.ል.ት ኮይኑ ሓምላይ ቤት ትምህርቲ ክሃንፅ ኣብ ምግባር ክሰራሕን ኣብ ወረዳታት ዝተርፍ ሰብዓ ሚኢታዊ ብፅሒት ትሉም ብዝኾነ መንገድን ብኣፍልጦ ፋይናንስን ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ወረዳ ክፍፀም ድሕሪ ምትሕስሳብ በቢደረጅኡ ዝርከቡ አካላት ኣመራርሓ መደባት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከምቲ ሕሉፍ ምስ መደባቶም አዋዲዶምን ከምመደባቶም ጌሮምን ክሰርሑሉ ሓደራ ኢሎም::

 

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ 2006 ዓ.ም ብደረጃ ክልል ልዑል ፍፃመ ንዝረኸባ ሓሙሽተ ወረዳታት ሕድ ሕድን ላፕቶፕ ከምትሸልም ተፈሊጡ’ሎ::

 

 

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms