Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 19 guests and no members online

እቲ ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካልን ዝሳለጥ ልምዓት ቅድሚ ምትግባሩ ካብ ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው ዝተውፃፅኡ ልዕሊ ሓደ ሚእትን ሓምሳን ተሳፍቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣክሱም ንሓደ መዓልቲ ኣብ ኣተገባብርኡ ኣመልኪቱ ዋዕላ ሳሊጡ::

ነቲ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝሳለጥ መድረኸ ዘተ ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ብመደረ ዝኸፈቱ ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ታደለ ሓጎስ:-“ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ ድጋፍ ወሃብቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለለዩ ወረዳታት ብርክት ዝበሉ ፕሮጀክትታት ከምትትግብር ብምግላፅ ናይዚ መቐፀልታ ዝኾነን ኤግሊመር ኦፍ ሆፕ ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣሜሪካ ኣብዘን ክልተ ወረዳ ንዘካይዶ ሰራሕቲ ልምዓት ንምዝታይ እንኳዕ ዳሓን መፃእኹም” ድሕሪ ምባል “ሰሉጥ ልምዓት ንምምፃእ ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ወሳኒ ብምዃኑ ኣብ ማይ ኣብ ጥዕና ኣብ ትምህርቲ ዘሎ ክፍተት ወረዳታትኩም ምስ መዳርግቲ ኣካላት ንምምላእ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ብምጥቕላል ኢና ኣብ አተገባብርኡ ምስተጠቀምቲ ብሓባር ክንዛተ ተራኺብና ዘለና” ኢሎም::

ካንትሪ ዳይረክተር ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕ ኣይተ ገ/ህይወት ረታ ብወገኖም ኣብዘስምዑዎ መደረ ትካሎም ንዝሓለፉ 14 ዓመታት ኣብ ፓሊሲን ስትራተጂን መንግስቲ ተመስሪቱ ሕብረተሰብ ካብ ድኸነት ንምውፃእ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ምድጋፍ ዝብል ልኡኹ ንምዕዋት እናሰርሐ ምፅንሑ ብምዝኸኻር ኣብ ትሸዓተ ጣቢያታት ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው ኣብ ዝቕፅላ ሓሙሽተ ዓመታት ንዘካይዶ ዝተዋደደ ልምዓት ማይ ትምህርትን ጥዕናን ንምትግባር ካብ ኣመራርሓን ህዝብን እተን ወረዳታት ክልል መንግስቲ ማረት ማ.ል.ትን ግሊመር ኦፍ ሆፕን ዝተውፃፅአ ጉጅለ ብዘካየዶ መፅናዕቲ መሰረት ንምትግባርን ዘሎ ክፍተት ንምምላእን ዝተዳለወ መድረኸ ዘተ ምዃኑ ብምሕባር ሕብረተሰብ እተን ከባቢ ስምዒት ዋንነት ኣሕዲሩ ኩለመዳይ ኣሰተዋፅኦ ብምግባርን ብምትሕብባርን ፀገሙ ክፈትሕ ፀዊዖም፡፡

 

ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣኸሱም ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ረምሃይ ሆቴል ዝተኻየደ ዋዕላ “ትልሚ ዝተዋደደ ማሕበረሰባዊ ልምዓት ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው ብዝምልከት ብዳይረከተር ዳይረከቶሬት ትልሚ ፕሮግራምን ምትእኸኻብ ሃፍትን ማልት ኣይተ ገ/ኪዳን ወልደገብርኤለ ቀሪቡ ብውልቀን ብጉጅለን ሰፊሕ ዘተ ተጌሩሉ’ዩ፡፡

 

 

See more photos…

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms