Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 160

Who's Online

We have 16 guests and no members online

እዚ ዝተሓበሩ 16 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘዳለዎ መድረኸ ዘተ ወለዲ መምህራንን ተምሃሮን ዝተረኸቡ ፈፃሚ ዳይረክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብዘሰምዑዎ መደረ እዩ፡፡

ዶክተር ታደለ ሓጎስ ኣብዘሰምዑዎ መደረ፣ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ኣብ ልምዓት ክልሎምን ሃገሮምን ርኡይ ግደ ዘለዎ ተምሃሮ ኣብ ምፍራይ ፅቡቕ ይሰርሕ ከምዘሎ  ድሕሪ ምግላፅ፣ ምእንታን ብኣንፃር ልኡኹን ዕላማን ዝያዳ ክጠናኸር ምዕሩይ ኣወዳድባ ተሰሪሑሉ መሰርሕ ገምጋምን ክትትልን ብምትእትታው ኩለ መዳይ ምምሕያሽ ክህልዎ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ፕላን ከምተዳለወሉን እዚ ንፈለማ እዋን ዝጣየሽ ዘሎ ወመተሕ ኣብዚ መዳይ ሓደ ስዳሮ ምዃኑ  ሓቢሮም::

ርእሰ መምህር ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ መምህር ረዳኢ ግርማይ ብወገኖም “ዕላማ’ቲ መድረኸ ተምሃሮ ኩለ መዳያዊ ብቐዓቶም ክረጋገፅ ዝተፈላለየ ኣወዳድባ ብምዝርጋሕ ስምዒት ዋንነት ብምምዕባል ሓላፍነት ክወሰዱ፣ ንዓርሶም ብስነ ምግባር ናይ ምምራሕ ባህሊ ከማዕብሉ ልዑል ውፅኢት ከመዝግቡን ኣብ ኣመራርሓ ዝሳተፍሉን ውሳነ ዝህቡሉን ወለዲ ድማ ስብእና ደቆም ኣብ ምቕራፅን ኣብ ምምሕያሽ መሪሕነት እቲ ቤት ትምህርቲ ተርኦም ክፃወቱን ዘኸእል’ዩ” ኢሎም::

ኣብቲ መድረኸ ዘተ ካብ ዝተረኸቡ ወለዲ ተምሃሮ ሓደ እንትዛረቡ፣ “ደቅና ንማሕበር ልምዓት ትግራይን ንቓላሚኖ ቤት ትምህርትን ኣሚንና ዘረከብና ብግቡእ ተሓብሒቦምን ተሃኒፆምን ክመሃሩልናን ክበቕዑልናን ሰለዝኾነ ግቡእ ክትትልን ቁፅፅርን ብምግባርን ጎደሎታቶም ብምምላእን ንሃገርን ወገንን ዝጠቕሙ ዜጋታት ኮይኖም ክህነፁ ሓደራ ድሕሪ ምባል ካብ ወለዲ ዝድለ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሓገዝ ንምግባር ድሉዋት ኢና” ክብሉ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብቲ ዕለት ወመተሕ(ወለዲ መምህራን ተምሃሮ ሕብረት) ንምጥያሽ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ሓሙሽተ ኣባላት ካብ ወለዲ ሰለስተ ካብ መምህራን ፣ ክልተ ካብ ተምሃሮ ዝተወከሉ ዓሰርተ ኣባላት ዘለዋ ኮሚቴ ዝቖመት እንትትኮን ፣ ካብ ታሸዓይ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ካብ ዪኒት ካብ 1-3 ንዝወፁ ተምሃሮ መተባብዒ ሸልማት መፃሕፍቲ ተዋሂቡ’ዩ፡፡

ብ1990 ዓ.ም ብማልት ዝቖመ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ዛጊድ ትሸዓተ ሚእትን ሰማንያን ሽዱሽተን ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣመሪቑ ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምምጋብ ኣብ ጉዕዞ ህዳሰ ሃገርና ተርኡ ኣብ ምፅዋት ዝርከብ ዝለዓለ ፕሮጀክት ማሕበር ልምዓት ትግራይ’ዩ፡፡

 

ዓሰርተ ኣርባዕተ ብሉፃት ተምሃሮ ቃላሚኖ ንተሞክሮ ልውውጥ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገረ እስራኤል ከምዝጓዓዙ ደማ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ’ዩ::

 

See more photos…

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms