Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 127 guests and no members online

ነታ ኣብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ጣቢያ ፀፀራ ቁሸት ዓዲነብሪ እትህነፅ ደርጊጫ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ህንፀታ ዘበስር እምነ ሰረት ዝተነበረላ 02 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም’ዩ።

ቤት ትምህርቲ ደርገጭ ኣብ ኣርባዕተ ዳስ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ተምሃሮ ተተኣናግድ እንትትከውን፣ ኣብቲ ስነስርዓት ተረኺቦም እምነ ሰረት ዘንበሩ ተወከልቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ምምሕደዳር’ታ ወረዳን እዮም።

ኣብቲ ሰነስርዓት ምንባር እምነ ሰረት ዝተረኸቡ ተወከሊ ምምሕዳር ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣይተ ኣርብሴ ከበደ” ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዝኩምን ነዊሕ ዓሊምኩምን ዝመፃእኹም ኣጋይሽ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም!!” ድሕሪ ምባል ንልምዓታዊ ተወፋይነት ጨንፈር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ንኢዶም።”

ኣመሓዳሪ’ታ ጣቢያ ኣይተ ሃፍቱ ደርበው ብወገኖም ኣብዘስምዑዎ መደረ፦” ተምሃሮ ካበቢና ካብ ፀሓይን ቁርን ብምንጋፍ ዘበናዊ ቤት ትምህርቲ ክትሃንፁልና ብምምፃእኹም ኣዚየ ብምምስጋን ተወዳዳርቲ ተምሀሮ ከምንሃንፅ ቃል ይኣቱ” ኢሎም።

ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣይተ ጣፈጠ ኣብርሃ ድማ፣ መንግስቲ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ የካይዶ ኣብ ዘሎ ፃዕሪ ቀንዲ ሓጋዚቱ ኮይና ትንቀሳቐስ ዘላ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ትገብሮ ዘላ ንጥፈት ብስም ወረድኦም ብምንኣድ፣ በቢከባቢኡ ዝርከቡ ወገናት ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ  ዝብል መሪሕ ጭርሖ ብምጭራሕ ኣብ ጎኒ ማልት ክወደቡን በቢክእለቶም ክሕግዙን ፀዎዖም።

ንጨንፈር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወኪለን ዝተረኸባ ወ/ሮ ኣልማዝ ይሳቅ ብወገነን ” ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ዝሓዘቶም ዓበይቲ ዕማማት ሓደ፣ ኣብዘይተመቻቸወ መምሃሪ ክፍሊ ኮይኖም ዝመሃሩ ህፃናት ናብ ምችውን ዝሓሸን ክፍሊ ብምስግጋርዲ  ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዕውት ምግባርን ፅሬት ትምህርቲ ምርግጋፅን ብምዃኑ፣ ነዚ ንምዕዋት ኣበላት ጨንፈርና  ኣተሓባቢርና ኣብዚ ከባቢ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኽእለና ገንዘብ ብምትእኽኻብ እምነ ሰረት ብምንባርና ዝተሰመዐኒ ሓጎስ እናገለፅኩ ብቀፃልነት  ጎደሎታት እዛ ቤት ትምህርቲ ንምምላእ ድሉዋት ኢና” ኢለን።

ብስም ማሕበር ልምዓት ትግራይን ተጠቀምትን ንሰናይ ተበግሶ ንጨንፈር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ድሕሪ ምንኣድ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ጉዕዞ ልምዓታ ቡዙሓት ስራሕቲ ከምዝሰርሓትን ንቐፃሊ ድማ ህዝባን ፈተውቲ ልምዓት ትግራይን ኣተሓባቢራ ምልማዕ ከምትቕፅል ብምግባልፅ፣ ህዝቢ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ንህንፀት’ዛ ቤት ትምህርቲ ብገንዘቡ ጉልበሩን ክእለቱን ከምዝሰርሕ ዘለዎም እምነት ብምግላፅ ኣብ ዝሓፀረ እዋን እታ ቤት ትምህርቲ ሃኒፁ ናብ ግልጋሎት ከውዕላ ከምዝግባእ ዘተሓሳሰቡ ድማ ንዓለም ለኸ ቤት ፅሕፈት ማልት ወኪሎም መደረ ዘስምዑ ኣይተ ታደሰ ነጋሽ’ዮም።

ወረዳ ራያ ኣላማጣ ሓምሳን ሓሙሽተን ቀዳማይ  ሰለስተ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ተምሃሮን ዘለዋ ወረዳ’ያ።

Click Here to see more photos

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms