Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 163

Who's Online

We have 137 guests and no members online

 

እዚ ዝተሓበረ ሓደ ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሂል ቶፕስ ኣብያተ ትምህርቲ ምስዝሃንፃ ዓሰርተ ጨናፍር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክፍላተ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ቤት ትምህርቲ ዝህነፀለን ወረዳታትን ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይን ኣብ ዝተገበረ ስምምዕ ስነ ስርዓት ፊርማን እንግዶት ድራርን’ዩ።

 

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተካይዶም ስራሕቲ ልምዓት ሰፋሕትን ሓደ ርብዒ ክፍለ ዘበን ዘቐፀሩን’ኳ እንትኾኑ ከምዚ ብዝተወደበ መልክዕ ዓሰርተ ጨናፍር ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኽእል ወፍሪ እንትገብራ ግና ንፈለማ እዋን ዝተካየደን ዘተባብዕን’ዩ ዝበሉ ኣተሓባበሪ ወዳበ ኣባላትን ምትእኽኻብ ሃፍትን ክላስተር ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ፀጋይ ኣብርሃ እዮም።

 

ኣይተ ፀጋይ ኣብርሃ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ “በቢደረጅኡ ዝርከብ ኣመራርሓ ውድብን መንግስትን ኢድን ጓንትን ኮይኑ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘካይዶም ስራሕቲ ልምዓት ንምሕጋዝ  ብምንቅስቓስ ዘጊድ ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ብር ብምትእኽኻብ  ካብ ኣባላትን ሰብ ውልቀ ሃፍትን ናብ ናይ ፕሮጀክት ኣካውንት ኣታዊ ኮይኑ’ሎ” ክብሉ ገሊፆም።

 

ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ዓቕሚ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ምክትል ኣቦመንበር ቤት ምኽሪ ፍሉይ ዞባ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ኣይተ ይሳቅ ግርማይ ብወገኖም፣ ” ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ዝርከብ ትግራዋይ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተወዲቡ ግቡኡ ብምውፋይ ንትግራይ ክድግፍ ይግባእ” ድሕሪ ምባል፣ነዚ ሓገዝ ዝገበሩ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ኣመስጊኖም።

 

ኣብያተ ትምህርቲ ንዝህነፀለን ወረዳታት ብምውካል ዝተዘረቡ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ኣይተ ወልዱ መዝገበ ድማ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣባላታ ብምትሕብባር ዘጊድ ዘይንዓቑ ስራሕቲ ልምዓት እናወነነት ምምፃኣ፣ ብፍላይ ኣብቲ ቀንዲ መፍትሒ ድኽነት ዝኾነ ዘፈር ትምህርቲ ተዋፊራ ትሰርሕ ምህላ ብምግባፅ፣ እምነሰረት ህንፀት ኣብያተ ትምህርቲ ክንብሩ ጨናፍሮም ወኪሎም ንዝመፁ ኣካላት ብምምስጋን ዝግበረልና ሓገዝ ከይተሸራረፈ ኣብ መዓልኡ ከነውዕሎ ኢና ኢሎም።

 

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ህዝባን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ተሓባቢራ ዝከኣላ ኩሉ ትገብር ምህላዋ ዘዘኸኸሩ ፈፃሚ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ደ/ር ታደለ ሓጎስ፣ ዓስርቲኤን ክፍለተ ከተማ አዲስ ኣበባ ንዝወሰድኦ ተወፋይነት ልምዓት ብስም ተጠቀምትን ማልትን ድሕሪ ምምስጋን ህንፀት እተን ኣብያተ ትምህርቲ ሎም ዘበን ብምዝዛም ተምሃሮ ኣብ ዝተመቻቸወ ክፍሊ ክመሃሩ ከምዝግበር ገሊፆም።

 

ክፍለ ከተማ ኣራዳ ኣብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ፣ አዲስ ከተማ ኣብ ወረዳ ኣላጀ፣የካ ኣብ እንዳ መኾኒ፣ ንፋስ ስልክ ለፍቶ ኣብ ደጉዓ ተምቤን፣ ኮልፌ ቀራንዮን ቄርቆስን ሕድሕደን ኣብ ኣፅቢ ወንበርታ፣ጉለሌ ኣብ ጣንቋኣበርገለ፣ ልደታ ኣብ ቆላተምቤን፣ ቦሌ ኣብ ኣስገደ ፅምብላ፣ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣብ ፀለምቲ ካብ 02-03 ጥቅምቲ እምነ ሰረት ከምዘንብራ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

 

ውዳበ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ከተማ አዲስ ኣባበ ዓሰርተ ሓደ ጨናፍር፣ ሓደ ሚእትን ትሽዓተን መሰረታዊ ማሕበራትን ሰለስተ ሚእትን ኣርባዓን ኣርባዕተን ንኡሳን መሰረታዊ ማሕበራትን ሴክተራትን ዘለዋ ኮይና፣ ኣብ ዓመተ 2004ን 2005ን ኩለን ጨናፍር ሓቢረን ክልተ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ወረዳታት ወልቃይትን ፀገዴን ምህናፀን ዝዝከር’ዩ።

Click Here to see more photos

 

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms