Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 103 guests and no members online

ዕለት 28 ሓምለ 2006 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ከባቢ ክልተ ሽሕ ዕዱማት ኣጋይሽን ዲያስፖራ ተጋሩን ተረኺቦም፡፡
ናይታ ዕለት ናይ ክብሪ ጋሻ ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክቡር ኣይተ ኣባይ ወልዱ “ማሕበር ልምዓት ትግራይ መንግስቲ ኣብ ዘነፀሮ ፖሊሲን ስትራተጅን ልምዓት ተመስሪታ ዛጊድ ንዝዓመመቶ ስራሕቲ ብምንኣድ፣ ንቕድሚት ኣጠናኺራ ክትቅፅለሉ ብምትሕስሳብ ኩሎም ፈተውቲ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ተሳትፎኦም ከሐይሉ ፀዊዖም፡፡”
ኣቦመንበር ኣመራርሓ ስራሕ ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶክተር ክንደያ ገ/ህይወት ብወገኖም ኣብዘስምዑዎ መደረ፡-“ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተጣየሸትሉ ዕላማ ሽትኡ ክወቅዕ ብዝገበረቶ ምንቅስቓስ ዛጊድ ልዕሊ 570 ቀዳማይ ብርክን 27 ካልኣይ ብርክን ኣብያተ ትምህርትን ሰብዓን ትሽዓተን ትካላት ጥዕናን ሃኒፃ ውሽጣዊ ናውቶም ብምምላእ ንረብሓ ህዝቢ ምውዓላ” ድሕሪ ምግላፅ፡- 
ኩን ዝበልካዮ ዝኸውን ተባዕን ህርኩትን ህዝባ ኣተሓባቢራ ዝያዳ ከምተልምዕ ብምሕባር፣ ዛጊድ ኣብ ጎኒ ማልት ተሰሊፎም ዝተፈላለየ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኩሎም ኣመስጊኖም፡፡
ኣብቲ ብምርኢት ሰርከስ ትግራይን ዶክመንተሪ ፊልም ማሕበር ልምዓት ትግራይን ደሚቑ ዝተሳለጠ በዓል፡-
- ጉዕዞ ቀዳማይ ርብዒ ክፍለዘበን ማ.ል.ት 
- ተሳትፎ ዲያስፖራ ኣብ ልምዓት ዓዲ 
- ቀፀልቲ ጠመተታት ማ.ል.ትን 
- ርኢቶ ይግበኣኒ በሃልቲ ኣብ ቀፃሊ ጉዕዞ ማ.ል.ት ብዝብል ርእሲ ዝተዳለዉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት፣ ብኣባል ቦርድ ማ.ል.ት ኣይተ ደስታ ኣስገዶም፣ ዶ/ር ሰለሙን ኣብርሃም፣ ዶ/ር ታደለ ሓጎስን ዶክተር ክንፈ ኣብርሃን ቀሪቦም ተዘትይሎም 'ዩ፡፡
ንበዓል ብሩራዊ ኢዮቢልዮ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተዳለወ ሽምዓን ሕብሽትን 'ውን ብላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልና ተወሊዑን ተቖሪሱን 'ዩ፡፡

Click here to see more photos

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms