Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 169

Who's Online

We have 96 guests and no members online

ነዚ ዝሓበሩ 19 መስከረም 2007ዓም ዓመታዊ ክፍሊት ኣባልነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብሓደ ግዘ ጠቕሊሎም ንምኽፋል ምስጓሎም ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማልት ዝተረኸቡ ኣይተ የማነ ነጋሽ’ዮም፡፡
ስራሕትን ምንቅስቓስን ማልት ልዕሊ ኩሉ ከምዘሐጉሶም ዝገለፁ ኣይተ የማነ፣ ካብታ ዝረኽብዋ ሰለስተ ሚኢቲ ብር ናይ ጡረታ መሃየኦም ሓደ ሚኢታዊ ፣ በዓልቲ ቤቶምን ክልተ ሰገናት ደቆምን ድማ በበዓቕሞም ብምውፃእ ብጠቕላላ ቴስዓ (90.00) ብር ክፍሊት ኣባልነቶም ብሓደ ግዘ ጠቕሊሎም ከምዝኸፈሉ ገሊፆም፡፡
ኣብቲ እዋን ምስ ወላዲኣ ዝተረኸበት ጓል ዓሰርተ ሓደ ዓመት ሰገን ሄለን የማነ፣ ብዘይካ’ቲ ወርሓዊ ክፍሊት ኣባልነታ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ግጥሚ ብምቕራብ ዝተሸለመቶ ሰለስተ ሚኢቲ (300.00) ብር ንፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ኣረኪባ፡፡
ኣይተ የማነ ነጋሽ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ማልት ዝረአን ዝጭበጥን ስራሕ ስለትሰርሕ’ያ ኩላትና ብብርኪ ስድራ ኣባላት ክንከውን ዝኸኣልና” ኢሎም፡፡ ተምሃሪት ሃፀይ ዮውሃንስ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርትን ነባሪት ከተማ መቐለን ዝኾነት ሰገን ሄለን ብወገና “ተምሃራይ ትግራይ ኣብ ዓመት ሓንቲ ሓንቲ ቕርሺ እንተዋፂኡ ብዙሕ ክፍተት ልምዓት ክሽፍን ስለዝኽእል ኣብ ማልት ክውደብ ይግባእ” ክትብል ፀዊዓ፡፡
ተምሃሪት ሻብዓይ ክፍሊ ሄለን የማነ ቅድም ክትብል ኣሸንዳ ኢላ ካብዝረኸበቶን ግጥሚ ኣቕሪባ ዝተሸለመቶን ንኣረጋውያንን ንፅጉማት ተምሃሮን ጥረ ገንዘብ፣ ደፍተርን እስክርቢቶን ከምዝሓገዘትን፣ ንቕድሚት ድማ ሓገዛ ኣጠናኺራ ንምቕፃልን ኣብ ካናዳ ምስትርከብ መሰተኣ ሃና ጎድፋይ ዝተብሃለት ወገን ኣብ ቅነ ዳያስፖራ ተጋሩ ብምርኻብ፣ መፅናዕቲ ብምክያድ ተሓባቢረን ንምስራሕ ዘኽእለን ውዕሊ ከምዝኣሰረት ሓቢራ፡፡
ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ብወገኖም፣ ንኣባላት ስድራ ኣይተ የማነ ነጋሽ ብምምስጋን ተምሳሌት ህፃናትን ሰገናትን ትግራይን ዝኾነት ሄለን የማነ ዘለዎም ናእዳ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኩሉ ወገን ኣሰር እዞም ስድራ ክስዕብ ተላቢዮም፡፡
ሰገን ሄለን የማነ ዓሚ ብግጥሚ ዝተሸለመቶ ክልተ ሚኢትን ሓምሳን ሸውዓተን ብር ንማልት ምውፋያ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

Click here to see photos

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms