Advertisement

Recent Videos

TDA Colourfully  inaugurated Awlaelo Secondary School - Wukro and Hawelti Semaetat E-library

HDVS_CATEGORY: Documentary
Views: 145

Who's Online

We have 99 guests and no members online

በዝሖም ልዕሊ ሰብዓ ዝኾኑ ኣባላትን ደገፍትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ፖርት ሱዳን ብተወካሊኦም ኣይተ ግደይ ሓድጉ ዝለኣኹዎ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ብር፣ ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፅሕፈት ማልት ተረኺቦም ንፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሂቦም፡፡
19 መስከረም 2007ዓም ነዚ ሓገዝ ዘረከቡ ኣይተ ግደይ ሓድጉ “ብሰንኪ ኲናት ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ዝዓነው ኣብያተ ተምህርትን ትካላተ ጥዕናን መሊሳ ንምህናፅን ሓደሽቲ ንምጥያሽን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ እትገብሮ ምንቅስቓስ ኣብ ጎና ጠጠው ኢልና ከንሕግዛ ብመሰረተ ዝኣተናዮ ቃል ኢና ካብታ ዝርካብና ቆንጢርና ዘተኣኻኸብናየን ሓገዝ ገንዘብ ሒዝና መፂእና ዘለና” ዝበሉ ኣይተ ግደይ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ “ኣሕዋትና ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም ብዘረጋገፁልና ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ብምሕባን ኢና ነዚ ሓገዝ ክንገብር ዝኸኣልና” ድሕሪ ምባል ሓገዞም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉሉ ቃል ኣትዮም፡፡
ዝነብርሉ ፖርት ሱዳን ካብ ማእኸል ሱዳን ርሒቑ ስለዝርከብ ሕብረተሰብና ደገፉ ኣሐይሉ ክቕፅል ዘኽእሎ ሓበሬታ ምንቅስቓስ ማልት በቢእዋኑ ክበፅሖም ድማ ኣይተ ግደይ ተላቢዮም፡፡
ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ታደለ ሓጎስ ብወገኖም፣ ንዝተገበረ ሓገዝ ድሕሪ ምምስጋን ኩለመዳይ ሓገዞም ኣበርቲዖም ክቕፅሉሉ ብምፅዋዕ ካልኦት ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ወገናት አሰር ጨንፈር ፖርት ሱዳን ክስዕቡ ፀዊዐም፡፡
ውዳበ ማልት ጨንፈር ፖርት ሱዳን ቅድሚ ሓደ ዓመት ተመሳሳሊ ሓገዝ ምግባራ ዝዝከር’ዩ፡፡

Click Here To see photos

Share

Intervention Areas

  • Education
  • Health
  • Unemployment Reduction
  • Women Empowerment
  • Sports
  • Culture and art
  • Promoting Tourism

ካብ ኣባህላታት መለስ

"ከምወትሩ፣ ከምህዝቢ፣ ከምስድራ፣ 

ነቓዕ እንተይገደፍኩም ከምእትዓስሉ 

ጥርጥር የብለይን፡፡"

 

መለስዜናዊ

Auditing System

Three Levels of auditing:

1. Audit Committee of the General Assembly

2. Internal Audit

3. Accredited External Accounting Firms