ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንኽልተ ነባራት ኣመራርሓ ናይ ክብሪ ሽልማት ሂባ

  • 0

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንኽልተ ነባራት ኣመራርሓ ናይ ክብሪ ሽልማት ሂባ

Category : News

ካብ 2008 ክሳብ 2011 ዓ/ም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዕምቆት ብምዝታይ፣ ፀብፃብ ውፅኢት ኦዲትን ምንቅስቓስ ፋይናንስን ብምፍታሽ ስትራቴጅካዊ ትልሚ ቀፀልቲ ሰለስተ ዓመታት ምይይጥ ብምግባር ኣንፈት ብምቕማጥ ብምሉእ ድምፂ ዝፅደቐ መበል 11 ጉባኤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዓድን ዘሎ ኣባልን ደጋፊን ብዝተወደበ መልክዑ ክንቀሳቐስ ኣብ ምምሕያሽ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ኣብ ምቅላል ሰፊሕ ህዝባዊ ምልዕዓል ንዝገበሩ ክልተ ኣባላት ኣተባቢዓ። ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ሓምለ 1981 ዓ/ም ክትምስረት እንተላ ኣትሒዞም ክሳብ ሐዚ ንዝሓለፉ 29 ዓመታት ብጉባኤተኛ ኣብ ዝተመረፁ ኣመራርሓ ቦረድ ብምዃን እናገልገሉ ዝመፁ ኣይተ ደስታ ኣስገዶ ኣብ ጎኒ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምስላፍ ንዝሃብዎ ህዝባዊ ኣገልግሎት ካብ 24-25 ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ መበል 11 ጉባኤ ብር 20 ሽሕ ዝወድኦ ወርቂ ብምሽላም ሓዱሽ ወለዶ ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ከበርክቶ ዝግባእ ኣበርክቶ ንምብርካት ብምዕላም ንነባራት ኣመራርሓ ብኽብሪ ንምስንባት ብዘነፀሮ ኣንፈት መሰረት ጉባኤተኛ ብኽብሪ ኣሰናቢቱዎም። ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገረ ኤርትራ መተሓባበሪ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኮይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምፅናሕ ንኣስታት 20 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሃገረ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝፀንሑን ጉባኤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንምክያድ ሓደ ወርሒ እንትተርፎ ተፈቲሖም ናብ መረበቶም ዝመፁ ኣይተ መሓመድ ትኹእ ድማ ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብዝወሰኖ መሰረት ብር 50 ሽሕ ሽልማት ብምብርካት ኣተባዓቶም እያ። ኣይተ መሓመድ ትኹእ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅላላ ኣዕሲላ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ላዕልን ታሕትን ትብል ዘላ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዝገበረትሎም ኣበርክቶን ጉባኤተኛ ንዝሃም ክብርን ኣመስጊኖም። ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ!


Leave a Reply