ማልት ምስ ካልቲቭ ኤይድን ስምምዕነት ሰቖጣ ብምትሕብባር ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ ዓውደ ራእይ ሕርሻ ኣሳሊጣ

  • 0

ማልት ምስ ካልቲቭ ኤይድን ስምምዕነት ሰቖጣ ብምትሕብባር ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ሕርሻ ቓላሚኖ ዓውደ ራእይ ሕርሻ ኣሳሊጣ

Category : News

ማእኸል ሕርሻ ቓላሚኖ CultivAid ዝብሃል ትካልን ካብ ሃገረ እስራኤል ብዝመፁ ዶብ ኣልባ ኢንጅነራት ከምኡ‘ውን ኣብ ስነ መኣዛ ትኹረት ገይሩ ብምስራሕ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ህፃናት ዝርኣይ መጠን ድኽዳኸ ንምንካይ ዓሊሙ ካብ ዝተጣየሸ ብስምምዕ ሰቖጣ Seqota Declaration ሞያውን ንዋታውን ደገፍ ዝግበረሉ እዩ።

ኣብ ሕርሻ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ዓርቢ 10 ግንቦት 2010 ዓ/ም ኣብ ዝተቃንዐ ዓውደ ራእይ ስራሕቲ ሕርሻ ኣምባደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ራፋኤል ሞራቭ: ኣመራርሓን ላዕለዎት ክኢላታት ሕርሻን ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ክልል ትግራይ፣ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ዩኒቨርስቲታት ሃገርና ዝተውፃእፅኡ መምህራንን ሰብ ሞያ ሕርሻ፣ ኣመራርሓ ክኢላታትን ስምምዕ ሰቖጣን ኣባላት ዶብ ኣልቦ ኢንጅነራት ሃገረ እስራኤል ተረኺቦም ‘ዮም።

ኣብቲ ዕለት ኣብቲ ማእኸል ብዘመናዊ ጠብጠብታ መስኖ ዝለምዑ ኣሕምልትን ፍረምረታትን ውፅኢቶምን ዑደት ዝተኻየደ ኮይኑ ብሰብ ሞያ ሕርሻ ዶብ ኣልቦ ኢንጅነራት ሃገረ እስራኤለ ዝተዳለወ ስነ መዓዛ ንምግብነት ብምቕራብ ተሳተፍቲ ልምዲ ክቐስሙ ተገይሩ እዩ።

እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ኣጠቓላሊ ስራሕቲ ምስፋሕ ሕርሻ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ኣብ ዝዝዘተዩሉ፤ ኣብቲ ማእኸል ካብ ሃገረ እስራኤል ዝተረኸበ ተመኩሮ ኣጠቓቕማ ማይ፣ መሬትን ስልቲ ክንክን ኣሕምልትን ፍረምረን መፍረያይነት ሕርሻ ኣብ ብምዕባይ ውሕስና መግቢ ሓረስታይ ሃገርናን ክልልናን ኣብ ምርግጋፅን ዝንኣድ ተመኩሮ ከም ዝቐሰሙ ብምግላፅ ኣብቲ ቀፅሪ ዝነበሮም ፃንሒት ሓደ መዓልቲ ዛዚሞም።

እቲ ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኮይኑ ኣብ ዝተጣየሸ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ዝሳለጥ ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ማእኸል ሰሪሕኻ መርኣይን ማእኸል መሰልጠኒ ሓረስቶት ካብ ምዃን ሓሊፉ ፍርያት ሕርሻ እቲ ትካል ብምሻጥ ማልት ንእተሳልጦም ዘላ ልምዓታዊ ስራሕቲ ይውዕል ኣሎ።


Leave a Reply