ኣብ ሃገረ ኣውትራልያ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ልዕሊ 5.5 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ናውቲ ሕክምና ንሆስፒታል ዓድዋ ብሓገዝ ኣበርኪቶም

  • 0

ኣብ ሃገረ ኣውትራልያ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ልዕሊ 5.5 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ናውቲ ሕክምና ንሆስፒታል ዓድዋ ብሓገዝ ኣበርኪቶም

Category : News

ሆስፒታል ዓድዋ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኣብ ሃገረ ኣውስትራልያ ዝነብሩ ተወላዲ ትግራይ ኣይተ ኣክሊል ተወልደን ነበርቲ ሃገረ ኣውስትራልያ ከተማ ሜልቦርን ዝኾኑ ተወለድቲ ዓድዋን ከባቢኣን ብምትሕብባር ግምቶም ልዕሊ 5.5 ሚልዮን ብር ዝኾኑ 70 ዘመነዎት መደቀሲ ተሓከምቲ፣ 46 ፍራሽ ሽዱሽተ መንቀሳቐሲ ተሓከምቲን ሰለስተ ዊልቸርን ብሓገዝ ተበርኪቱላ።

እቲ ብተወለድቲ ዓድዋን ከባቢኣን ዝተረኸበ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ኣመራርሓ ማልት፣ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና፣ ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ፣ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሆስፒታል ዓድዋን ተወካሊ ኣይተ ኣክሊሉ ተወልደ ዝኾኑ ኣይተ ክብርኣብ ተወልደን ኣብ ዝተረኸብሉ 30 ሕዳር 2010 ዓ/ም ስነ-ስርዓት ርኽክብ ተፈፂሙ።

መካየዲ ስራሕ ሆስፒታል ዓድዋ ኣይተ ምኡዝ ኣብርሃን ጠቕላላ ሓኪም ሆስፒታል ዓድዋ ዶ/ር ኖህ ዓብደልቃድርን እቲ ሆስፒታል ንነበርቲ ከተማ ዓድዋ ከምኡ’ውን ኣብ ወረዳታት ዓድዋ፣ መረብለኸ፣ ወርዒለኸ ኣሕፈሮምን ንዝነብሩ ልዕሊ 750 ሽሕ ክፋላት ሕ/ሰብ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህብ ብምዃኑ ዓብይ ዝኾነ ሕፅረት መደቀሲ ተሓከምቲን ካልኦት ናውቲ ሕክምናን ዝነበሮ እዩ።

ኮይኑ ግና ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብምትሕብባር እቲ ፀገም ዝእለየሉ ባይታ ይፍጠሩ ብምህላዎም ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ኣክሊሉ ተወልደ፣ ነበርቲ ሃገረ ኣውስትራያ ዝኾኑ ተወለድቲ ዓድዋ ከባቢኣን፣ ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ እቲ ንብረት ኣብ ምጉዓዝ ዓብይ ኣበርክቶ ንዝነበሮ ትራንስ ኢትዮጵያን ብሽም ተጠቃማይ ህዝቢ ምስጋንኦም ገሊፆም።


Leave a Reply