ሰርከስ ትግራይ ከምብሓዱሽ ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምዃን ዕላዊ ስርሓ ጀሚራ

  • 0

ሰርከስ ትግራይ ከምብሓዱሽ ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምዃን ዕላዊ ስርሓ ጀሚራ

Category : News

ሰርከስ ትግራይ ብ1987 ዓ/ም ተጣይሻ። ክሳብ 1992 ዓ/ም ብብርኪ ሃገር ይሳለጡ ኣብ ዝነበሩ ውድድራት ብጅምናስቲክ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ ዓመታት ዓወት ብምምዝጋብ ትግራይ ሓሙሽተ ፅዋዕ ክትዓትር ኣኽኢላ እያ።

ኣብ ሃገርና ሰርከስ እንትልዓል ሽማ ገኒኑ ዝልዓል ሰርከስ ትግራይ ብ1991 ዓ/ም ኣብ ሃገራት እንግሊዝ፣ ጀርመን፣ ራሽያን ስፔንን ይሳለጡ ኣብ ዝነበሩ ውድድራት ጅምናስቲክ እውን ሻምፒዮን ኮይና እያ።

 

መናእሰይን ሰገናትን ብኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ዝጠንከሩን ስነ ምግባሮም ዝተሓለውን ኮይኖም ንክወፁ ዓሊማ ቅድሚ 22 ዓመታት 30 ኣማተራት መናእሰይ ሓቍፋ ዝተጣየሸት ሰርከስ ትግራይ ክሳብ 1999 ዓ/ም ኩለመዳያዊ ምሕደራኣ ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝነበረ ኮይኑ ድሕሪ 1999 ዓ/ም ግና ዘድሊ ናውቲ ተማሊኡላ ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ወፃኢ ኮይና ብዓርሳ ንክትመሓደር ተገይሩ ነይሩ እዩ።

ሐዚ ህልው ኩነታት ሰርከስ ትግራይ ብምርኣይ ከምብሓዱሽ ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኮይና ክትውደብ ብምግባር ስራሕታ ጀሚራ ኣላ።

ተኸታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብቲ ምስሊ እትርእይዎ ከም ዘለኹም ድማ ሰርከስ ትግራይ ብምኽንያት ምብሳር ምጅማር ቴሌቪዥን ማልት ኣብ ኤጀንሲ መራኸብቲ ሓፋሽ ክልል ትግራይ መላእ ትግራይ እናተዘዋወረት ዘርአየቶ ምርኢት ጅምናስቲክ እዩ።


Leave a Reply

Search

Plans

No downloads found.

reports

No downloads found.

presentations

No downloads found.

our facebook page