ማልት ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ብ17 ሚልዮን ብር ወፃኢ ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ከም እትሃንፅ ኣፍሊጣ

  • 0

ማልት ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ብ17 ሚልዮን ብር ወፃኢ ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ከም እትሃንፅ ኣፍሊጣ

Category : ዜና

እታ ማሕበር ነዚ ዘፍለጠት ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ነብርኢድ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ኣብ ዘንበረቶ ምብሳር ህንፀት ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን እዩ።

 

እተን ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያን መሰናዶ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ዳዕሮን ዝህነፃ ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ነንሕድሕደን 8.5 ሚልዮን ብር ዝውድኣ እንትኾና 12 ሚልዮን ብር ብዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ 5 ሚልዮን ብር ድማ ብህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦን ዝሽፈን እዩ።

 

ኣብ ምንባር ሰረት እምነ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያን ስነ ስርዓት ርኽክብ ስራሕ ምጅማር ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን መሰናዶ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ዳዕሮን ዝተረኸቡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትልሚ፣ ክትትልን ኮሙዩኒኬሽንን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ሰለሞን ሕሉፍ ከም ዝበልዎ እተን ማእኸላት ኣብያተ ፈተነ ባዮሎጂ፣ ፊዚክስ፣ ኬሚስትሪን ፋብሪኬሽንን ዘለወን ኮይኑ ኣብ ላዕለዋይ ደብሪ እቲ ህንፃ ን150 ተምሃሮ ተረባሕቲ ዝገብርን ብቨርቹል ኮምፒዩተር ዝተጠናኸረ ቤተንባብን ኣጠቓሊሉ ዝህነፅ ብምዃኑ ተምሃሮ ለይትን ቀትርን ንትምህርቶም ዝለዓለ ትኹረት ሂቦም ብምፅዓር ንባዕሎምን ንሃገሮምን ዝረብሑ ዜጋታት ኮይኖም ንክወፁ እቲ ህንፀት ክሳብ ዝዛዘም ኣካላት ኣመራርሓ ማልት፣ ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ዝለዓለ ትኹረት ሂቦም ከምዝንቀሳቐሱ ገሊፆም።

 

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ኣይተ ልጃለም ኣብርሃ ብወገኖም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ድሕረትን ድኽነትን ካብ ትግራይና መሊኡ ክጠፍእ ዝኽእል ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ብብዝሓትን ብፅሬትን እንትወፅእ እዩ ዝብል እምነት ብምሓዝ ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝህለወን ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ክትሃንፅ ዘቕረበትልና ሕቶ ቅቡል ብምግባር ብክልቲኣዊ ትሕብብር ንምህናፅ ከምዝተበገሱ ኣረዲኦም።

 

ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ተምሃሪት ዲያና ሃፍቱን ኣብርሃም ገዛኢን እቲ ማእኸል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ህንፀቱ እንትዛዘም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ሕፅረት ቤተ-ፈተነን ናውቲ ቤተ-ፈተነን ብምቕራፍ ብክልስ ሓሳብ ዝተምሃሩዎ ናብ ተግባር ኣሽሪፎም ዝምሃርሉ ዕድል ዝፈጥረሎም ብምዃኑ ነዚ ሰናይ ተበግሶ ወሲዶም እቲ ማእኸል ክህነፅ ፃዕሪ ንዝገብሩ ዘለው ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦን ማልትን ምስጋንኦም ኣቕሪቦም።

 

ርእሰ መምህር መሰናዶ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ዳዕሮ መምህር ጌታሁን ኣወጣህኝን ርእሰ መምህር ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ መምህር ኣለም ንጉስን ብወገኖም ህንፀት እተን ማእኸላት ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ርኡይ ለውጢ ዘምፅኣ ብምዃነን ከይዲ ህንፀተን ጥቡቕ ክትትልን ደገፍን ብምግባር ንፍፃመ ክነብቅዐን ኢና ክብሉ ቃል ኣትዮም።


Leave a Reply

Archives