Monthly Archives: October 2018

  • 0

ሰራሕተኛታት ኩባንያታት ትእምት ንምዕዋት መደባት ማልት ዝገብሩዎም ዘለው ደገፋት ልዑል ከምዝኾነ ተገሊፁ

Category : News

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኣባላታን ደገፍታን ሓበራዊ መድረኻት ብምፍጣር ህዝቢ ትግራይ ብምልዕዓልን ምውዳብን ኣብ ፅላላ ብምዕሳል ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንክመሓየሽ ዓሊማ ትንቀሳቐስ ኣላ። read more


  • 0

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኤመሓት ብምትሕብባር ይፍኖ ናይ ዘሎ መደብ ቴሌቪዥን ማልት መጠቓለሊ 6ይ ዙር ምድብ ሓደን ስነ ስርዓት ሽልማት ተምሃሮን ተሳሊጣ

Category : News

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ብምትሕብባር ንኣስታት ሓደ ዓመት ክፍኖ ዝፀንሐ ውድድር ተምሃሮ 12 ክፍሊ መጠቓለሊ 6 ዙር ምድብ ሓደ ውድድር ስነ ስርዓት ሽልማት ተምሃሮን 30 መስከረም 2011 ዓ/ም ኣብ ኣዳራሽ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ተኻይዱ። read more


  • 0

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ፀገም ዘጋጠሞም ክፋላት ሕ/ሰብ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ሂባ

Category : News

ህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ንምንጋፍ ዝኽእሉ ትካላት ትምህርትን ጥዕና ብምህናፅን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማት ዝኣልዩን ስራሕቲ እናወገነት ዝመፀት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሎሚ ድማ ብምኽንያት ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ሃገርና ኣጋጢሙ ንዘሎ ዘይምርግጋእ ተመዛቢሎም ንዝመፁ ወገናት ውላዶም ስኣን ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይርሕቑ ን1,458 ህፃናት ዞባ ምብራቕ ትግራይ 17,484 ሓገዝ ደፍተር ሂባ።
ብተመሳሳሊ ማሕበር ሕውነት ደቂ ሰብ ኣብ ከተማ መቐለ፣ ኣላማጣን መኾኒን ንዘዕብይዎም 150 ፅጉማት ተምሃሮ ድማ 1,123 ደፍተርን፣ 250 እስክርቢቶን 200 እርሳስን ከምኡ‘ውን ኣብ ከተማ መቐለ ንዝምሃሩን ፀገም ምስማዕን ከምኡ‘ውን ናይ ኣእምሮ ውሱንነት ንዘለዎም 150 ተምሃሮ ፅምባረ ትምህርቲ 1,123 ደፍተር፣ 1,000 ቢሮን 600 እርሳስን ሓጊዛ እያ።
25 መስከረም 2011 ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ርኽክብ ናውቲ ትምህርቲ ዝተረከባ ምኽትል ሓላፊት ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ንግስቲ ወ/ሩፋኤል ኣብ ዘስምዐኦ ዘረባ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ምስረታኣ ክሳብ ሐዚ መንግስቲ ትግራይ ክሽፍኖም ዘይክኣሉ ክፍተታት መሰረተ ልምዓትን ካልኦት ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቅላልን ሰፋሕቲ ፃዕርታት እናካየደት ከምዝመፀት ብምዝኽኻር ናይዚ መቐፀልታ ዝኾነን ኣብዚ እዋን ኣጋጢሙ ብዘሎ ኩነታት ዘይምርግጋእ ሰላም ሃገርና ስዒቡ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ሃገርና ናይ ዝተመዛበሉ ወለዲ ደቆም ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይተርፊ ብምዕላምን ካልኦት ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ዘለዎም ዜጋታትን ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ምብርካታ ብሽም ተጠቀምቲ ክፋላት ሕብረተሰብን ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ምስጋንአን ኣቕሪበን።
ርእሰ መምህር ፅምባረ ቤት ትምህርቲ ሰውሒ ንጉስ መምህር መዝገበ ተካ ብወገኖም ፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ቅድም ክብል ንተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ይውሃቦም ከም ዝነበረ ብምግላፅ ሐዚ ‘ውን ብተመሳሳሊ ንተምሃሮ ፍሉይ ድየት ኣብ ግምት ብምእታው ንዝገበረቶ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ብሽም ተጠቀምቲ ተምሃሮን ማሕበረሰብ ትምህርቲ እቲ ቤት ትምህርትን ኣመስጊኖም።
ኣብቲ ዕለት ተረኺቦም ዝተውሃበ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ዘረከቡ ዳይሬክተር ዳይሬቶሬት ትልሚ፣ ክትትልን ኮምዩኒኬሽንን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ሰለሞን ሕሉፍ ብወገኖም፤ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ዓሊማ ዝተጣየሸት ትካል ከም ምዃና መጠን ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ሃገርናን ተመዛቢሎም ናብ መረበቶም ዝመፁ ነበርቲ 8 ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ፣ ብሕውነት ደቂ ሰባት ንዝሕብሐቡ ህፃናት ነበርቲ ከተማታት መቐለ፣ መኾኒን ኣላማጣን ተምሃሮ ፅምባረ ቤት ትምህርቲ ሰውሒ ንጉስን ዝተዳለው ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ክትገብር ምኽኣላ እዞም ህፃናት ከጋጥሞም ዝኽእል ዝነበረ ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ብውሱን መልክዑ ከቃልሎ እዩ ኢሎም። read more


  • 0

“ስራሕቲ ማልት ንህዝቢ ብምፍላጥ ዕላማታት ማልት ንምዕዋት ይክኣል እዩ“ተምሃሪት ሄለን የማነ

Category : News , Uncategorized

ተምሃሪት ሄለን የመነ ካብ 2002 ዓ/ም ናብዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ብምስታፍ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ንዘለዎም ዜጋታታ ገንዘባውን ንዋታውን ገደፋት ብምብርካት ኣብ ጎኹም ኣለኹ ዝበለት ኮይና ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ዓሊማ ንዝተጣየሸት ማሕበር ልምዓት ትግራይ መጠን እትገብሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ‘ውን በብዓመቱ እናዛየደት ዝመፀት እያ። read more