
ንልዕሊ 10 ዓመት ዳስ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ጨሞ ናብ ክላስ ብምልዋጥ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክጅምር ተገይሩ።
Category : News , Uncategorized
ብ2000 ዓ/ም 100 ተምሃሮ ብምሓዝ ብብርኪ ብሳተላይት ዝጀመረት ቤት ትምህርቲ ዓዲጨሞ ኣብዚ እዋን ቅድመ ስሩዕ ማለት እውን ህፃን ብህፃን 70 ተምሃሮ “ኦ” ክፍሊ 45 ተምሃሮ ከምኡ’ውን 190 ስሩዕ ተምሃሮ ብሓፈሻ 300 ተምሃሮ ተቐቢሉ እናምሀረ እዩ።